ኦስትርያ፡ ብጌጋ ጥዑይ እግሪ ናይ ሕሙም ዝቖረጸት ዶክተር ተቐጺዓ

Published

ኣብ ኦስትርያ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ሓንቲ ዶክተር ብጌጋ ጥዑይ እግሪ ናይ ሕሙም ብምቁራጻ ብገንዘብ ተቐጺዓ።

እቲ ኣብ ሕክምና ደቂሱ ዝነበረ ሽማግለ ብዘጋጠሞ ሕማም ጸጋመይቲ እግሩ ክትቁረጽ እኳ ዶኳትር እንተወሰኑ፡ እታ ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደት ዶክተር ግን ብጌጋ ንየማነይቲ እግሩ ቆሪጻቶ፡ እቲ ጌጋ ከም ዝተፈጸመ ኸኣ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ናይቲ መጥባሕቲ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ሊንዝ ኣብ ዝውዓለ መጋባእያ፡ እታ ዶክተር ኣብ ስርሓ ዕሽሽነት ብምርኣያ 2700 ኢሮ ክትቅጻዕ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እቲ ሕሙም ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምምርሑ'ኳ እንተሞተ፡ ብዓልቲ ቤቱ 5000 ኢሮ ካሕሳ ክውሃበ እቲ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።.

ኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሕሙም ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ንኽሕከም ናብታ ፍረስተዳት ዝተብሃለት ክሊኒክ መጺኡ፡ እታ እግሩ ክትቁረጽ ከምዘለዋ ኣብ ውሳነ ምስ ተበጽሐ፡ እታ ሓኪም ነታ ሕምምቲ ገዲፋ ኣብታ ጥዕይቲ እግሩ ምልክት ገይራትሉ።

እቲ መጥባሕቲ ምስ ተኻየደ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ባንዴጅ ክቅይርሉ ነቲ ቁስሊ ምስ ፈትሕዎ'ዩ ጌጋ ከምዝተፈጸመ ክርድኦም ክኢሉ።

እታ ሕምምቲ እግሩ ግድን ክትቁረጽ ስለዝነበራ ኸኣ ጸጋመይቲ እግሩ ክትቁረጽ ኢሉ ዝመጽአ ሽማግለ ክልቲኤን ኣእጋሩ ክስእን ክኢሉ።

ኣብቲ እዋን ዳይረክተር ናይቲ ሆስፒታል፡ እቲ ጌጋ ናይቲ ሕክምና ምዃኑ ብምግላጽ ብወግዒ ይቅሬታ ሓቲቱ።