እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማግዳሌና ኣንደርሰን፡ ካብ መዝነታ ወሪዳ ዝነበረት ቀዳመይቲ ሚኒስትር ስዊድን ዳግማይ ተመሊሳ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስዊድን ኮይና ምስ ተሸመት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ካብ መዝነታ ዝወረደት ማግዳሌና ኣንደርሰን ዳግም ናብ መዝነታ ተመሊሳ።
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓድሽ ምርጫ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ነታ መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራቲክ ማግዳሌና ኣንደርሰን ብጸቢብ ድምጺ ደጊፎምዋ ኣለዉ።
ክሳብ እቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ወርሒ መስከረም ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ድማ ብሓደ ሰልፊ ዝምእዘን መንግስቲ ክትመርሕ እያ።
ማግዳሌና ኣንደርሰን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ብልፍንቲ መንግስቲ ክምስርት ዝግብኦ ሰልፊ ግሪን ፓርቲ ካብቲ ልፍንቲ ምስ ወጽአን ዘቕረበቶ ባጀት ከይጸደቐ ምስ ተረፈን ምስ ተሸመት ድሕሪ ሰዓታት ካብ መዝነታ ከም ዝወረደት ይዝከር።
ኣብ ክንድኡ፡ ባይቶ እታ ሃገር ኣንጻር ስደተኛታት ዝኾነ ተቓዋሚ ሰልፊ ዘቕረቦ ባጀት ድምጺ ሂቡ።
ሓምላይ ሰልፊ (ግሪን ፓርቲ) ብሕሉፍ የመናውያን ዝተነድፈ ባጀት ከም ዘይቕበል ብምግላጽ ዓርሱ ካብ ምስረታ መንግስት ምስ ኣግለለ ድማ ኣንደርሰን ካብ መዝነታ ክትወርድ ተገዲዳ።
ኣብታ ሃገር፡ ብልፍንቲ መንግስቲ ካብ ዝመስረቱ ሰልፊታት እቲ ሓደ እንተድኣ ኣንሳሒቡ እቲ መላፍንቲ'ውን ክወርድ ኣለዎ ዝብል ሕገ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ኣሎ።
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓድሽ መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ ካብ 349 ኣባላት ባይቶ እቶም 101 ክድግፉዋ እንከለው፤ 75 ድምጸ ተዓቅቦ፣ 170 ድማ ድምጺ ዘይሃቡ እዮም።
ኣብ ፖለቲካ ስዊድን ቀዳማይ ሚኒስትር ንምዃን እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ኣንጻርካ ክኸውን የለብሉን።
ጓል 54 ዓመት ኣንደርሰን፡ ድሕሪ 100 ዓመት ድምጺ ዝረኸበት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ድሕነት፣ ክሊማዊ ለውጥን ገበንን ትኹረት ብምግባር "ንስዊድን ንቕድሚት ንምስጓም" ድልውቲ ምዃና ቃል ኣትያ ኣላ።
ይኹን'ምበር ካብ ካልኦት ሰልፊታት ፖለቲካ ድጋፍ እንተዘይረኺባ ኣብ ባይቶ ውሳነታት ንምጽዳቕ ክትጽገም እያ።
እቶም ማእኸላይ-ጸጋማዊ ሶሻል ዴሞክራት ካብ 349 ወናብር ባይቶ 100 ወናብር ዝሓዙ'ዮም።
ኣንደርሰን ብ1996 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣማኻሪት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ጎራን ፐርሶን ዝነበረት ኮይና: ሸውዓተ ዓመት ድማ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይና መሪሓ።
ካብ ሃገራት ኖርዲክ፡ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዘይነበረታ እንኮ ሃገር ስዊድን እያ።
ሕጂ ነቲ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ካብ መዝነቱ ዝወረደ ቀዳማይ ሚኒስትር ስቴፋን ሎፍቬን ብምትካእ ስልጣን ክትርከብ እያ።
ክሳብ ሓላፍነታ ብወግዒ እትርከብ ድማ ሎፍቬን ቀዳማይ ሚኒስትር ናይ ሓደራ መንግስቲ ክመርሕ ክጸንሕ እዩ።