ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ጉዳይ ኒኩሌር ከም ብሓድሽ ምይይጥ ክጅምራ እየን

Published

ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጉዳይ ኒውክሌር ቀዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምሕዳስ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ቬና ምስ ኢራን ምይይጥ ክጅምራ እየን።

እቲ ብቐንዱ ኣመሪካ እትርከቦ ምስ ኢራን ዝግበር ምይይጥ፡ ናብቲ ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምምላስ ዘኽእል እዩ።

ንሱ ድማ፡ ብኢራን ዝካየድ ምምዕባል ኒኩሌር ዝግድብን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ድማ ክለዓለላ ዝሕግዝን እዩ ተባሂሉ።

ፕሬዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ 2018 ንኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ክትወጽእ ብምግባር ነቲ ዝነበረ ማዕቀብ መሊሱ ዘንበረ ኾይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ኣብ ዝጥሕሱ ተግባራት ተዋፊራ ጸኒሓ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ እንተኣኽቢራ ነቲ ማዕቀብ ንምልዓል ድልው ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።

ኢራን ብወገና፡ ኣመሪካ ቀዲማ ነቲ ማዕቀብ ናይ ምልዓል ስጉምቲ ክትወስድ እያ ትጠልብ።

ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ምዕራብ፡ ኢራን ዩራንየም ናይ ምልሓም ተግባር ቀጺላትሉ ናብ ብርኪ ኒኩሌር ቦምብ ምፍራይ በጺሓ ከምዘላ ብምጥንቃቕ፡ ናይ ምዝርራብ እዋን እናተለኣመ ምዃኑ ይዛረቡ።

ኢራን ብወገና፡ መደብ ኒኩሌር ንሰላማዊ ግልጋሎት ከምዝውዕል ኣትሪራ እያ ትዛረብ።

ኣብ መንጎ ኢራንን ሓሙሽተ ሃገራትን [ቻይና፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ሩሲያ እና ዩናይትድ ኪንግደም] ኣብ ርእሰ ከተማ ኦስትሪያ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ተወከልቲ ኣመሪካ ቀጥታዊ ብዘይኾነ መገዲ ተሳቲፎም ነይሮም።

ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ንኒውዮርክ ታይምስ ከምዝበሎ፡ ኣብ መንጎ ዋሺንግትንን ቴህራንን እንታይ መዓስ ከምዝትግበር ዝምልከት ጥቕልል ብዝበለ ኣብ ወርሒ ሰነ ቅድሚ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኢራን እዩ ተኻይዱ።

ኣብ እዋን ምሕደራ ባራክ ኦባማ፡ ተዛታዪ ኢራን ዝነበረ ሓሰን ሩሃኒ ንምትካእ ኣብ ዝተኻየደ ውድደር፡ ንምዕራባውያን ኣዝዩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኢብራሂም ራይሲ እዩ ተዓዊቱ።

ራይሲ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ እቲ ዘተ ክናዋሕ ከምዘይፈቕድ ተዛሪቡ እንተነበረ'ኳ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ቬና ተራኺቦም ንምምያጥ ከይተስማምዑ ጸኒሖም።

ተላዘብቲ ኢራን፡ ረብሓ ኢራን ብፍጹም ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ እዮም ዝገልጹ።

ሚኒስተር ጉዳኣት ወጻኢ ኢራን፡ ኣመሪካ ጌጋኣ ክትኣምን ከምዘለዋ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሮም ዘለዉ እገዳታት ብቕልጡፍ ክለዓሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ዘዝመጽኡ ፕረዚደንታት ነቲ ስምምዕ ከምዘይክልስዎ ኢራን መረጋገጺ ትደሊ ኢሉ።

ፍሉይ ልኡኽ ባይደን ኣብ ኢራን፡ ሮበርት ማሌይ ብወገኑ፡ ምሕደራ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበሮ ቁጠባዊ ማዕቀብ ንምልዓል ድልውቲ ምዃና እዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ መሌይ፡ ምስ ኢራን ዝግበር መስኮት ልዝብ ኩሉ ክፉት ዘይክኸውን ይኽእል እዩ- ኢሉ።

ኢራን ኣብ'ቲ ክብልጽግ እትደልዮ ዓይነት ኒኩሌር ኣብ ስምምዕ በጺሓ ኣላ፤ ንሱ ድማ፡ ብርኪ እቲ ምልሓም፣ ንምልሓም ኣብ ረብሓ ብዛዕባ ዝውዕሉ ማሺናት ከምኡ'ውን ዝልሕመሎም ከባብታት ይርከብዎም።

እንተኾነ፡ ኢራን ካብቲ ልዕሊ ዝፍቀድ ዩራንየም ኣልሒማ ክትከውን ከምእትኽእል እዩ ዝግመት።

ዓለም ለኻዊ ኤጀንሲ ምቁጽጻር ኣቶሚክ ኢነርጂ፡ ኒኩሌር ዝልሕመሎም ከባብታት ኢራን ከይርእይ ከምዝተኸልከለ ዝዝከር እዩ።