እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ወዲ ጋዳፊ ኣብ ዝርኢ ዘሎ ቤት ፍርዲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከምሻቐሎ ገሊጹ
ሕቡራት ሃገራት ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ሰይፍ ኣል ኢስላም ጋዳፊ ይግባይ ኣብ ዝሓተተሉ ቤት ፍርዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።
ሰይፍ ኣል ኢስላም ኣብ ሊብያ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኸይሳተፍ ምኽልካሉ ስዒቡ ጠበቕኡ ይግባይ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ቤት ፍርዲ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸመ’ዩ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኩነታት ከምሻቐሎ ዝገልጽ ዘሎ።
እቲ ወዲ መራሒ ሊብያ ነበር ሰይፍ ኣብቲ ድሕሪ ሰሙናት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዘይሳተፍ ዝተነገሮ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ’ዩ።
ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ 2015 ብዝቐረበሉ ናይ ኵናት ገበን ክሲ ከምዝኾነ ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ኮምሽን ካብ ወዲ ጋዳፊ ብተወሳኺ ካልኦት ሕጹያት ተወዳደርቲ “ሕጋዊ” ብዝበሎ ምኽንያት ኣብቲ መረጻ ንኸይሳተፉ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።
ኣል ኢስላም ጋዳፊ ኣቦኡ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሊብያ ኣብ ዘመሓደረሉ ግዜ ተፈጺሞም ብዝተብሃሉ ገበናት ኵናትን ቅትለት ሰባትን ኣብ ዓለምለኸ መጋባእያ ገበን ዝድለ ሰብ’ዩ ነይሩ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰይፍ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሊብያ ከምዝወዳደር ምስተፈለጠ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።
ጠበቓ ሰይፍ ኣል ኢስላም፡ ካህሊ ኣል ዛኢዲ ሴባህ ናይ ዓሚሉ ጉዳይ ሒዙ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብየት ክብል ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ከምዝተኸታተልዎ ተዛሪቡ።