ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ንገዛእ ርእሱ ላዕለዋይ መራሒ ሱዳን ገይሩ ሸይሙ

ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ክረቁሕ እንከሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ላዕለዋይ መራሒ ገይሩ ሸይሙ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ ትማሊ ሓሙስ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ምክትሉ ንዝነበረ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሐመቲን ንሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒን ኣብቲ ቅድሚ እቲ ብ 25 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ ኣብ ዝነበሮም መዝነት ክቕጽሉ መዚዝዎም ኣሎ።

እቲ 14 ኣባላት ዘለዎ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ንሲቪላውያን ዝሓወሰ እኳ እንተኾነ ካብቶም ቅድሚ እቲ ዕልዋ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ሰብ መዚ ኣየካተተን።

ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሚኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር፡ ሓምዛ ባሎል እቲ ሓድሽ ስጉምቲ መቐጸልታ እቲ ዕልዋ እዩ ብምባል፡ "ህዝቢ ክስዕሮ ከም ዝኽእልን [ንመስርሕ ስልጣን ናብ ሲቪላውያን] ምስግጋር ክቕጽሎ ምዃኑን" ተዛሪቡ።

እቲ ሓድሽ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ዕልዋ ዝኹንን ውሽጣውን ዓለምለኻውን ጸቕጢ ሓይሉ ኣብ ዝርከበሉ ሰዓት እዩ ተኣዊጁ።

በይነኣዊ ሽመት እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ነታ ሃገር ናብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ንዝግበር ጻዕሪ ዘኽብድ ምዃኑ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፐርተስ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ቅልጡፍ ዘተ ተኻይዱ ፖለቲካውን ቁጠባውን ህይወት ናብ ንቡር ዝመልስ መፍትሒ ክናደ ጸዊዑ።

እቲ ሰራዊት፡ "ንቀደማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣን ምምላስ ዝርከብዎም ምትእምማን ዝፈጥሩ ስጉምትታት ክወስድ" እውን ኣተሓሳሲቡ።