እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓቃቢ ሕጊ ሊብያ፡ ወዲ ሞዓመር ገዳፊ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምንቃሉ ተቓዊሙ
ወተሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ ሊብያ፡ ሞሓመድ ጋሩዳ፡ ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ነቲ ወዲ ሞዓመር ጋዳፊ ሳይፍ ዓል-እስላም ንፕረዚደንትነት ንምውድዳር ሕጹይ ኮይኒ ንክቐርብ ዝጀመሮ ከይዲ መዝገባ ጠጠው ከብሎ ሓቲቱ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ብተወሳኺ ኻሊፋ ሓፍጣር ናይ ዝተብሃለ ሓደ ካብ ጎይቶት ኲናት'ውን ዝጀመሮ ናይ ምውድዳር ከይዲ ጠጠው ክብል ሓቲቱ።
ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር እቲ ወዲ ፕረዚደንት ሊብያ ነበር ሞዓመር ጋዳፊ፡ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ወርሒ ዝካየደድ መረጻ ንምውድድር ሕጹይ ኮይኑ ንምቕራብ ዘኽእሎ ሙሉእ ረቋሒታት ኣጽፊፉ ከምዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ወተሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ ትማሊ ናብቲ ኮሚሽን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እቲ ናቱ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ዝገብሮ ምድላዋት ጠጠው ዘየብሎ እንተደኣኾይኑ፡ እቲ ኮሚሽን ባዕሉ ንሳዕቤናቱ ተሓታቲ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
"ሳይፍ ዓል-እስላምን ኻሊፋ ሓፍጣርን ብግብሪ ክሱሳት ገበናት እዮም" ብምባል፡ ጉዳዮም ክሳብ ተጻርዩ ዝውዳእ ከይዲ መረጻ ፕረዚደንትነት ጠጠው ክብል እቲ ላዕለዋለይ ወተሃደራዊ ዓቃቢ ሕጊ ኣተሓሳሲቡ።
ብፍላይ ወዲ ሞዓመር ጋዳፊ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ሕጹይ ኮይኑ ምቕራቡ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ደገ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣቖጢዑ ቐንዩ ተባሂሉ።
ንሱ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ሞዓመር ጋዳፊ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ኣብ ዝተወስዱ ጭካነ ዘተመልኦም ናይ ሓይሊ ስጉምቲታት ተሓታቲ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።
ኣብ 2011 ኣብታ ሃገር ብዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ድማ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ዛጊድ ይድለ እዩ።
ሚስተር ሓፍጣር ብወገኑ፡ ኣብ ምብራቃዊ ሊብያ ዝነበሩ ሓይልታት ብምምራሕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ንሊብያውያን ዜጋታት ኣሳቕዩ ተባሂሉ ብቤት ፍርዲ ኣመሪካ ይድለ እዩ።