እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካውያን መጻምድቲ 'ካብ ዘይናቶም ዘርኢ' ህጻን ብምውላዶም ክሲ መስሪቶም
ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ነበርቲ ዝኾኑ መጻምድቲ ንዐኦም ዘይመስል ህጻን ምስ ወለዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወሊድ ዝሰርሕ ማእከል ጥዕና ክሲ መስሪቶም።
እቲ ኣብ ወሊድ ዝሰርሕ ክሊኒክ ዝተጋገየ ድቂ [ኢምብርዮ] እዩ ሂብዎም።
ዳፍናን ኣሌክሳንደር ካርዲናልን፡ ኣብ መስከረም 2019 እዮም ጓል ኣንስተይቲ ህጻን ተቦኪሮም።
እንተኾነ እታ ህጻን ንዓቶም ዝመስል ዋላ ሓንቲ ነገር ከምዘይብላ ምስረአዩ ተረቢሾም።
ካብኡ ግና፡ ናይ ዘርኢ [ዲኤንኤ] ምርመራ ምስ ኣካየዱ እታ ህጻን ናታቶም ዘርኢ ዘይብላ ኮይና ተረኺባ።
ብኸምዚ ዓይነት ኣብ ዝፍጠር ድቂ፡ ምቅይያር ክፍጠር ናይ መጀመርታ ኣይኮነን ተባሂሉ።
እዚ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣብ ደገ ብምውሃድ [IVF] ድቂ ዝፍጠረሉ ሜላ፡ ዘርኢ እቲ ወዲ ተባዕታይን እንቋቖሖ ጓል ኣንስተይትን ኣብ ቤተ ፈተነ ክወሃዱን፡ ቀጺሉ ናብ ማህጸን እታ ጓል ኣነስተይቲ ክኣቱ ብምግባር ዝርከብ ጥንሲ እዩ።
እቶም ደቂ ካሊፎርኒያ መጻምድቲ ድማ ብተመሳሳሊ ኣብታ ግዝኣት ዝርከብ ሓደ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ዝነጥፍ ማእከል ጥዕናን [CCRH] ቤተ-ፈተነን ተጠቀምቲ ኮይኖም።
እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእከል ጥዕና ዝተመስረተ ክሲ፡ ሕክምናዊ ስነ ምግባር ብምጥሓስ፣ ዕሽነት ብምርኣይን ብምትላልን ዝብል ይርከቦ።
ቢቢሲ ንክልቲኦም ሓቲቱ ዝረኸቦ ምላሽ የለን።
ዳፍና ግና፤ ኣብ'ቲ ትማሊ ሰኑይ ዝሃበቶ ስምዒታዊነት ዝመልኦ ዝተብሃለ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስድራኣ 'ኣዝዮም ከምዝሓዘኑን ንምርድኡ ኣጸጋሚ ከምዝኾናን' ተዛሪባ።
"ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ምውላድ እንክንሓስብ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢና ክንርበሽ። ውላድና ንካልእ ተዋሃቡ፤ ኣነ ድማ ናብዛ ዓለም ንክመጽእ ዝተቓለስክሉ ውላድ ናተይ ኣይኮነትን"።
ንሳ ወሲኻ ድማ፤ ናይ ባዕለይ ውላድ ናይ ምሕዛል ሕልመይ ተሰሪቐ ክትብል ኣንጸርጺራ።
መዝገብ እቲ ክሲ ከምዝብሎ፡ እቶም መጻምድቲ ኣብ 2018 እዮም ሕክምናዊ ሓገዝ ሓቲቶም ነይሮም።
ካብኡ ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ናትና ዝብልዎን ናቶም ዝመስሎም ውላድ ተገላጊላ።
እንተኾነ፡ ኣሌክሳነድር ካርዲናል ኣብ ክፍሊ ወሊድ ነታ ውላድ ምስረአየ፡ ጸላም ኮይና ተራእያቶ: ደንጽዩዎ ድማ።
"ካብቲ መዋለዲ ክፍሊ ድሕር ኢሉ፤ ኣብ መንደቕ ድግፍ ኢሉ ተሪፉ" ይብል እቲ ዝተነበ መዝገብ ክሲ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ ግና፡ እቶም መጻምዲ ዲኤንኤ መርመራ ክግበር ሓቲቶም፤ ናቶም ዘርኢ ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣዝዩ ጸልሚቱዎምን ሓርቢትዎምን ነይሩ ይብል እቲ ካብ ቤት መጋባእያ ዝተረኽበ ሓበሬታ።
ካብኡ ድማ፡ ናብቲ ማእከል ጥዕና ተመሊሶም እታ ሓቃዊ ውላዶም ክረኽቡ ጻዕሪ ገይሮም፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ እቲ ናይ እማን ናይ ስጋ ውላዶም ምስ ካልኦት ሰባት ጓል ኣርባዕተ ወርሒ ኮይንዎ ረኺቦምዋ።
ድሕሪ ብዙሕ ምዝርራበት ድማ ኣብ ጥሪ 2020፡ እቶም ስድራ ደቆም ተቐያይሮም ተባሂሉ።
"ንጓለይ ኣብ ክንዲ ዘጥብው ናይ ካልእ ሰብ ውላድ ኣጥቢወ፤ ካብኡ ድማ ክህባ ተገዲደ" ኢላ።
ንሳ ናይ ቴራፒስት በዓልቲ ሞያ ክትከውን እንከላ ንሱ ድማ፡ ናይ ሙዚቃ ደርፊ ጸሓፍን ደራፍን እዩ።ሕጂ ክልቲኦም፡ እቲ ኩናታት ንዝፈጠረሎም ስንባደ፣ ጽዕንዕንታን ካልእ ተዛማዲ ስነ-ኣእደምሮኣዊ ጸጋማትን ይሕከሙ ኣለዉ።
እቶም ካልኦት ስድራ'ውን ክሲ ክምስርቱ ከምዘደልዩ'ኳ እንተሓበሩ፡ ኣስማቶም ብሕቡእ ክኸውን ከምዝደልዩ እቲ ጠበቓ ናይቶም ክሲ ዝመስረቱ መጻምዲ ዝኾነ፡ ኣዳምቢ ዎልፍ ተዛሪቡ።
ኣብ 2019 ከምኡ ተመሳሳሊ ዓይነት ክሲ ተመስሪቱ ምንባሩ ሓበሬታ የረድእ።