ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን ናብ ቦትኡ ክምለስ ጸዊዐን

ኣብ ሱዳን ተቓውሞታት ይቅጽል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ሲቪላዊ መንግስቲ ሱዳን ናብ ንቡር ክምለስን ጸዊዐን።

እዘን ንሰራዊት እታ ሃገር ይሕግዛ እየን ተባሂለን ዝሕመያ ሃገራት፡ እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ዝተኣለየ መንግስቲ ሱዳን ናብ ንቡር ቦትኡ ክምለስ ክሓታ ንፈላማ እዋን እዩ።

ንሳተን፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን፡ ብቤት ጽሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቢሉ ኣብ ዝወጽአኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ "ነቲ ኩነታት ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ብሙለኦም ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣለዎም" ክብላ ጸዊዐን።

እቲ ሰራዊት፡ ኣብታ ሃገር ኣንቢርዎ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድማ ከልዕል እቲ ሓበራዊ መግለጺ ይሓትት።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ "ዓመጽ ኣብ ሱዳን ቦታ ክወሃቦ የብሉን፤ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ኣብ መንጎ ኩሎም ኣካላት ጠቓሚ ልዝብ ክግበርን፤ ኩሎም ኣካለት ድሕነት ህዝቢ ሱዳን ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ከረጋግጹን ንምሕጸን" ይብል።

እቲ ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ክፈትሕን ናብ ስልጣን ምምጥጣር ጠጠው ከብልን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ጸቕጢ ክፍጠር ጺኒሑ እዩ።

ሰራዊት ሱዳን ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ኣዛዚ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ።

ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኢም ሓያል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ዛጊድ ዓሰርተ ሰልፈኛታት ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምዝተቐትሉ ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።