ቻይና፡ ኣብ ኣንኣሽቱ ከተማታት 'ሰማይ ጠቀስ' ህንጻታት ከይስርሑ ከልኪላ

Published

መንግስቲ ቻይና ኣብ ኣንኣሽቱ ከተማታት ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻታት ከይህነጹ ከልኪሉ።

በዚ ሕጂ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ፡ ዝኾነት ትሕቲ 3 ሚልዮን ነባሪ ዘለዋ ከተማ ቻይና ልዕሊ 150 ሜትሮ ቁመት ዘለዎም ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻ ክትሃንጽ ኣይክፍቀዳን እዩ።

ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጠን ከተማታት ኸኣ ብተመሳሳሊ ልዕሊ 250 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ 'ሰማይ ጠቀስ' ህንጻ ከይሃንጻ ተኸልኪለን ኣለዋ።

ኣብ ቻይና ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነት ከተማ ልዕሊ 500 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ህንጻ ከይህነጽ ዝኽልክል ሕጊ ኣቐዲሙ ወጺኡ ነይሩ እዩ።

ቻይና ኣዝዩም ብዙሓት ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻታት ዘለዉዋ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ሻንግሃይ ዝርከብ 632 ሜትሮ ቁመቱ ሻንግሃይ ታወር፡ ኣብ ሸንዘን ዝርከብ 599.1 ሜትሮ ቁመቱ ህንጻ ፒንግ ኣን ፋይናንስ ሴንትር ገለ ካብቶም ነዋሕቲ ህንጻታት እዮም።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ከም ብዓል ሻንግሃይን ሸንዘንን ዝኣመሰላ ከተማታት ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻታት ከምዘድልዩ'ኳ እንተሓበራ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ግን ሕጽረት ናይ መሬት ስለዘየለ መንግስቲ ከምዝኸልከሎ ኣቃሊሐን።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ሸንዘን ዝርከብ 350 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኤስኢጂ ፕላዛ ዝተብሃለ ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻ ብሃንደብት ነዝነዝታ ምስ ኣስመዐ፡ ሰባት እናተሰቓቐጡ ከምዝወጽኡ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ቻይና በቶም 'ንጃህራ'ዮም ተሰሪሖም' ዝብሃሉ ነዋሕቲ ህንጻታት ብዙሕ ግዜ ናይ ናይ ገንዘብ ብክነት ኣጋጢምዎ እዩ።