ኢራቕ፡ 300 ሰብ ዘህለቐ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝሃንደሰ ውልቀሰብ ከምዝተትሓዘ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Yehia Rasool
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢራቕ፡ ኣብ 2016 ኣብ ባቕዳድ፡ 300 ሰባት ዝሞትሉ ነብሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝሃንደሰ ኣባል ኣይኤስ ከምዝተተሓዘ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሙስጣፋ ኣል ካድሂሚ፡ ጋዝዋን ኣል ዛዋቢ ዝተብሃለ ሃንዳሲ እቲ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ “ብስለያዊ ስርሒት” ካብ ኢራቕ ወጻኢ ከምዝተተሓዘ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ 2016 ኣብ ወረዳ ካራዳ ዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ብኣመሪካ ዝምርሑ ሓይልታት ንኢራቕ ኣብ 2003 ድሕሪ ምሓዞም እቲ ዝኸፈአ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኮይኑ’ዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ተባራዒ ዝጸዓነት ዓባይ መኪና፡ ኣብ ሓደ ዕሙር ሰብ ዝንቀሳቐሰሉ ንግዳዊ ማእከል፡ ናብቶም ድሕሪ ጾመ ሮሞዳን ‘ኣፍጢሮም’ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ህዝቢ ጠኒና ብምእታዋ ዝበዝሑ ሰባት ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ባርዕ ከምዝሞቱ ይንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢራቕ ሙስጣፋ ኣል ካድሂሚ “ነቶም ናይ ህዝብና ደም ዝኸዓዉ ናብ ሕጊ ምቕራብ ግቡእና እዩ” ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጋዝዋን ኣል ዛዋቢ ካብ ኢራቕ ወጻኢ ከምዝተተሓዘ’ኳ እንተጠቀሰ፡ እታ ሃገር ግን ኣየጠቐሰን።
እንተኾነ ክልተ ሰብ መዚ ስለያ እታ ሃገር ንኤፒ ከምዝሓበርዎ፡ ጋዝዋን ኣል ዛዋቢ ብምትሕብባር እታ ስማ ዘይጠቀስዋ ሃገር፡ ሰራዊት ኢራቕ ከምዝሓዝዎን ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናብታ ሃገር ከምዘእተውዎን ገሊጾም።
ውሃቢ ቃል ሰራዊት ኢራቕ ጀነራል የሕያ ራሱል፤ ዓይኑ ዝተሸፈነ ጋዝዋን ኣል ዛዋቢ ኣብ ሞንጎ ክልተ ብረት ዝሐዙ ሰራዊት ኢራቕ ኣብ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኮፍ ኢሉ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ።
እቲ ጀነራል ኣብ ጽሑፉ፡ ጋዝዋን ኣል ዛዋቢ ነቲ ኣብ 2016 ከምኡ’ውን ኣብ 2017 ኣብ ባቕዳድን ኣብ ካልእ ዞባ እታ ሃገርን ዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ዝሃንደሰ’ዩ ኢሉ ጽሑፉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
