ሶማላያውያን ድሕሪ ቅትለት ኣባል ፓርላማ ብሪጣንያ ‘ናይ ሞት ምፍርራሕ የጋጥሞም ኣሎ’

ሰር ዴቪድ ኣመስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ብሪጣንያ ንዝርከቡ ሶማላያውያን ዝሕግዝ ትካል፡ ኣባላቱ ድሕሪ ቕትለት ኣባል ፓርላማ ሰር ዴቪድ ኣመስ ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣባል ባይቶ ብዓርቢ ኣብ እዋን ኣኼባ ብበሊሕ ነገር ብተደጋጋሚ ተወጊኡ ከምዝተቐተለ ይዝከር።

ወዲ 25 ዓመት ሶማልያዊ መቦቆል ዘለዎ ብሪጣንያዊ ዓሊ ሃርቢ ዓሊ ድማ በቲ ቕትለት ተጠርጣሪ ኮይኑ ተታሒዙ’ሎ።

ኣቡኡ ንዓሊ፡ ሃርቢ ዓሊ ኩላኔ ቅድም ክብል ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ሶማልያ ብምዃን ኣገልጊሉ ነይሩ።

ተወካሊ ቆንስል ሶማልያ ኦርጋናይዜሽንስ [‘ሲኤስኦ’] ካሂዬ ኣሊም፤ ሶማላያውያን ዝመቦቆሎም ሰባት ብድሕሪ እቲ ቕትለት ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበጽሖም ምህላዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ዝበጽሕ ዘሎ ምፍርራሕ ሰባት ናብ ስግኣት ስለዝኣተዉ ድማ ገለ ክበባት መናእሰያትን ማእኸላት ማሕበረሰብን ከምዝተዓጸዉ ገሊጹ።

ንኣባላት ስድራ እቲ ተጠርጣሪ ከምዘይፈልጦም ዝተዛረበ ካሂዬ ኣሊም፤ ንኣቡኡ ግን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስተር ሶማልያ ኮይኑ ስለዘገልገለ ከምዝፈልጦ ኣረዲኡ።

ማሕበረሰብ ሶማልያ ኣብ ብሪጣንያ ብቕትለት እቲ ኣባል ፓርላማ ኣዝዩ ከምዝተሰናበደ ወሲኹ ገሊጹ።