እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብጋሻ ውሕጅ ከምዝተጸለዉ ተገሊጹ
Published
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣስታት 500,000 ሰባት ብሓደጋ ጋሻ ውሕጅ ከምዝተጸለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ዳርጋ ፍርቂ ካብ ኣውራጃታት (ግዝኣታት) እታ ሃገር ብማይ ዘዕለቕለቓ ኮይነን፤ መጠኑ ዝውስኽ ዘሎ ዝናብ ንደንደስ ሩባታት የፍርስ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪር እውን ግዳይ እቲ ባህርያዊ ሓደጋ ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ገዝኡ ዝርከብ ንብረት ብማይ ከምዘዕለቕለቐን ዘፍለጠ እቲ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ክንዲ ጎንጺ ንዘጋጠሞም ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሓቲቱ።
ሕቡራት ሃገራት ከምዘፍለጦ ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ።
ብዘይካ’ዚ ገዛውቶም፣ ጥሪቶምን ኣዝርእቶምን እውን ከምዝዓነወ ሓቢሩ።
እታ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር [ደንጉያ ሃገር ዝኾነት] ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ ጽባሕ ጀሚሩ ዝተወለዐ ሓድሕዳዊ ኲናት ካብ ዝገደፈላ በሰላ ንምሕዋይ ትጽዕር ምህላዋ ይፍለጥ።