ኮሮናቫይረስ፡ ግብጺ ዘይተኸተቡ መምሃራን ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ግብጺ፡ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ወይ'ውን ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም መረጋገጺ ዘየምጽኡ መምሃራን ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ኣዚዙ።
ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸቢድ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ግብጺ፡ እቲ ሕማም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይላባዕ ካብ ዘለዋ ስግኣት ብምብጋስ ነዚ ውሳነ ከምዘሕለፈት እዩ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።
ብመሰረት ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ግብጺ ወጺኡ ዘሎ ንመምህራን ዝምልከት ሓዲሽ ሕጊ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ መምሃራን ክኽተቡ ወይ’ውን ሰሙናዊ ብዙሕ ወጸኢታት እናኣውጽኡ መርመራ ከካይዱ ክግደዱ እዮም።
እዚ ሓዲሽ ሕጊ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ንመምህራንን ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን’ውን ክኽተቡ ወይ’ውን ሰሙናዊ ክምርመሩ ዘገድድ እዩ።
ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ግብጺ፡ ታሪቅ ሻውቂ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ዘይተኸተቡ ወይ ክኽተቡ ዘይደለዩ መምሃራንን ሰራሕተኛታትን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሰሙናዊ 100 ዶላር ከፊሎም መርመራ ኮሮናቫይረስ ብምግባር ውጽኢት መርመረኦም ከርእዮ ከምዝግደዱ ገሊጹ ኣሎ።
ብመስረት ካብ ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝተረኸበ ኣሃዝ፡ ካብ ኣብ መላእ ግብጺ ዝርከቡ መምሃራን እቶም 40 ሚኢታዊት ተኸቲቦም ምህላዎም እዮ ዝጠቅስ።
ኣብ ግብጺ ብመሰረት ዓመታዊ ንድፊ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ኣብ ዝምጽእ ክልተ ሳምንታት ሓዲሽ ዓመተ ትምህርቲ ክጅመር እዩ።
ግብጺ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ሰባት ዝሞትዋ ሃገር ኮይና፡ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 17 ሸሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶማ ኣለዉ።
ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንናይጀርያን ኢትዮጵያን ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትርከብ ግብጺ፡ ካብ ጥቅላላ ብዝሒ ህዝባ ንልዕሊ 5 ሚልዮን ክትከትብ ክኢላ ኣላ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
