ሲነማ ሶማልያ ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ፊልም ኣርእዩ

Published
ሶማልያ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ሲነማ ፊልም ኣርእያ፡፡
ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ጸጥታ ዝተኻየደ ምርኢት ፊልም ኣብታ ንዓመታት ዘይረገአት ሃገር፡ ባህላዊ ተሓድሶ ከምጽእ ተስፋ ተገይሩ ኣሎ፡፡
እቲ ምርኢት ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ‘ናሽናል ትያትር ሶማልያ’ እዩ ትማሊ ረቡዕ ተኻይዱ፡፡
ኣብ እዋን ሓድሕድ ኲናት ሲኒማ ምስ ተቛረጸ፡ ትያትር ሶማልያ ወታሃደራዊ መዋፈሪ ኮይኑ ጸኒሑ፡፡
ተዓደምቲ እቲ ሲኒማ ብሶማላሊያዊ ዳይሬክተር ኢብራሂም ሲኤም ዝተዳለዋ ክልተ ሓጸርቲ ፊልምታት 10 ዶላር ከፊሎም ርእዮም፡፡
ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 1967 ዝተሃነጸ ትያትር ሶማልያ፡ ኣብ 1970ታትን 80ታትን ከም ቀንዲ መዘውር ምዕባለ ባህሊ ሶማልያ ተገይሩ ይውሰድ ነይሩ፡፡
ኣብ መጀመርታ እቲ ሓድሕድ ኲናት ኣብ 1991 ምስ ተዓጸወ ግና መዋፈሪ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኮይኑን ዓንዩን ነይሩ፡፡
ኣብ 2012 ብልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (ኣሚሶም) ተጸጊኑኳ ዳግም ስራሕ ጀሚሩ እንተነበረ፡ ብዙሕ እንከይጸነሐ ፊልምን ምዝንጋዕን ከም ጉድለት ስነ ምግባር ገይሩ ብዝወስድ እስላማዊ ዕጡቕ ኣልሻባብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓንዩ ነይሩ፡፡








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
