መበል 20 ዓመት ማእሰርቲን ምስዋርን ኣባላት ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ስእላዊ ምርኢት ተኸፊቱ

መበል 20 ዓመት ማእሰርቲን ምስዋርን ኣባላት ጉጅለ-15ን ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ዝዓለመ ስእላዊ ምርኢት ( 'ኤግዚቢሽን') ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተኸፊቱ።
ኣብቲ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣባላት ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ተጣበቕቲ መሰላት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነበርን፡ ወጻእተኛታት ተሳቲፎም ነይሮም።
ብስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ናይቶም ልክዕ ከምዛ ሎሚ፡ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ 11 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝርከብዎም 33 እሱራት ንምርኢት ቀሪቡ'ሎ።
ስእሊ ናይቶም ኣብቲ ወርሒ ዝተኣስሩ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ናይተን ኣብታ መዓልቲ ዝተዓጽዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ቀሪቡ'ሎ።
እቲ ምርኢት ብምትሕብባር 'ፎካስ ኤርትራ' ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጣባቒ ጉጅለ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ፐን ኤርትራ ዝተባህለ ንመሰላትን ናጽነታትን ገዜጠኛታት ዝጣበቕ ማሕበርን ዝተወደበ'ዩ።
ኣቦመንበር ፎካስ ኤርትራ ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም እሱራት፡ ለውጢ ንምምጻእ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምንቃፎም፡ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ብመንግስቲ ዝተሰወሩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ሃለዋቶም ብንጹር ከምዘይፍለጥ ተዛሪቡ።

እቲ ምርኢት "ኩነታቶም ዝዓለም ንምፍላጥ" ዝተዳለወ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብተ፡ እቶም 33 ወከልቲ ናይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝበሎም ካልኦት እሱራት ኤርትራ ምዃኖም ገሊጹ።
መራሒ ሰልፊ ዕዮ ነበርን ኣባል ባይቶን ጀረሚ ኮርቢን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ።
እቶም እሱራት ሕልና "ንመንግስቲ ብምንቃፎምን፡ ኣብ ሰባዊ መሰላትን ፍትሒን ዝኣምኑ ብምዃኖምን እዮም ተሰዊሮም" ኢሉ።
"ንሃገሮምን ዓለምን ዝሓሸ ንምግባር፡ ምግሃስ መሰላት ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ቅቡል ኣይኮነን ኢሎም ዝኣምኑ'ዮም፡ ሓቆም ድማ'ዮም" ብምባል፡ ነቲ ብገለ ኣባላት ባይቶ ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያ ዝቐረበ፡ እቶም እሱራት ክፍትሑ ዝጽውዕ እማመ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።
"ብዘይርትዒ ዝተኣስሩ ክፍትሑ ንጽውዕ፡ ናጻን ግሉጽን ርትዓዊን ፍርዲ ክህሉ ንጠልብ፡ ኩሉ ሰብ ናጻን ዘይሻራውን ሜድያ ክጥቀም መሰል ክወሃቦ ንጠልብ" ድማ ኢሉ።
ሓርነት ሕብረተሰብ፡ ናጽነት ምዝራብን ርትዓዊ ፍትሕን መሰረታዊ ምዃኑ ዝገለጸ ኮርቢን፡ "መሰላት ትምህርቲ፡ መንበሪ ቤት፡ ጥዕናን'ውን ኣገዳሲ" ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ምርኢት ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብቲ ንሱ ዝውክሎ ከባቢ ለንደን ምክካያዱ ከምዘሕጎሶ ዝገለጸ ጀረሚ ኮርቢን ብዙሓት ኤርትራውን ካብ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሮም ኣብቲ ንሱ ዝውክሎ ኢስሊንግቶን ኖርዝ ከምዝመጹን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብሩ ምዃኖምን ንኢዱ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዉ'ኳ እንተገለጸ፡ ወግዓዊ ክሲ ከየቕረበ ን20 ዓመታት ኣብ ስዉር መዳጎኒ ከምዘእተዎም ይፍለጥ።
"ገበን እንድሕሪ ገይሮም ኮይኖም፡ ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሎ ኸኣ ሃገር ክሒዶም እንተኾይኖም፡ ሕጊ'ሎ፡ ናብ ሕጊ ከቕርብዎም ነይሩዎም። እንድሕሪ ገበን ገይሮም ከኣ ብሕጊ ፍርዶም ይረኽቡ" ብምባል ኣቶ ሃብተ ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ይነጽጎ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ካልእ ኣባል ባይቶ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ ፓትሪክ ግሬዲ ብወገኑ፡ ነቲ ምርኢት ዘለዎ ደገፍ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቶም እሱራት ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፡ "ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ንምፍታሕ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም " ክተሓባበር ጸዊዑ።
እቲ ምርኢት ኣብ ለንደን ክሳብ ሰንበት 19 መስከረም ክቐጽል ምዃኑን፡ ኣብ ስኮትላንድ (ከተማ ኤዲንብራ) ተመሳሳሊ ምርኢት ንምድላው መደብ ከምዘሎን ኣዳለውቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሎሚ ቀዳም መራሕቲ ሃይማኖታት ነቶም ኣብ ቀይዲ ተሰዊሮም ዘለዉ ስነ-ስርዓት ጸሎት ክፍጹሙ ምዃኖም እቶም ኣዳለውቲ ተዛሪቦም።
ብሰንበት'ውን ነቶም እሱራት ንምዝካር ብስነጥባባዊ ንጥፈታት ዝተሰነየ መደብ ክካየድ'ዩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
