ኣመሪካ መራሕቲ ሶማሊያ ንዘለዎም ፍልልያት ክፈትሑ ጸዊዓ

ፕሬዝደንት ፋርማጆ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣመሪካ ፕሬዝደንትን ቀዳማይ ሚኒስትርን ሶማሊያ ንስለ ምርግጋእ እታ ሃገር ፍልልያቶም ንክፈትሑ ጸዊዓ።

እታ ሃገር "ዝጀመረቶ መስርሕ መረጻ ቐልጢፍካ ንምዝዛም" ምትሕብባር መራሕቲ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ሕብረት ፕሬዝደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ቐዳማይ ሚኒስትር ሑሴን ሮብለን ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ኢላ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣተኣላልያ ምስዋር ኣባል ስለያ እታ ሃገር ዝነበረት ብዝተፈጥረ ኣፈላላይ ክሰሓሓቡ እንከለው፡ እዚ እቲ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ መረጻ ንከይተኣጓጎል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዝደንት ፋርማጆ ላዕለዋይ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ገዲበዮ ኣለኹ ዝብል መምርሒ ምስ ኣመሓላለፈ ምስሕሓብ ክልቲኦም መራሕቲ ተጎሃሂሩ።

እዚ መዝነት ናይ ምሃብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝድርት ውሳነ ኮይኑ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር እቲ ውሳነ "ሕጋዊ ኣይኮነን" ክብል ነጺጉዎ።

ጓል 25 ዓመት ኢክራን ታህሊል ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ገዝኣ ብመኪና ምስወጽአት’ያ ደሃያ ጠፊኡ።

መንግስቲ፡ ታህሊል በቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክባት ዘለዎ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ከም ዝተጨወየትን ከም ዝተቐተለትን ይገልጽ።

ኣል-ሸባብ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክልቲኦም መራሕቲ ተወሳኺ ጎንጺ ዘለዓዕሉ መግለጽታት ወይ ተግባራት ከወግዱን ንሓድሕዶም ዝህቡዎ ሽመትን ስልጣኖምን ዘለዎም ኣፈላላይ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሑን ንጽውዕ" ክብል ጠቒሱ።

ሶማሊያ ካብ 1 ጥቅምቲ ክሳብ 25 ሕዳር 2021 ዓ.ም ባይቶኣዊ መረጻ ክተካይድ መደብ ሒዛ ኣላ።

ኣመሪካ እዚ መረጻ እንተተደናጉዩ "ጎንጺ ክልዓልን ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን እታ ሃገር ንምንዓብ ባይታ ክረኽቡን ዝዕድም ክኸውን'ዩ" ክትብል ኣጠንቂቓ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፡ ሓላፊ ትካል ስለያ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ኣይሓዞን ብዝብል ካብ ስርሑ ደው ክብል ትእዛዝ'ኳ እንተኣመሓላለፈ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ግና ሓላፊ ጸጥታ ቤትጽሕፈቱ ክኸውን ብምሻም ናብ ስርሑ መሊሱዎ።

ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ኢክራን ታሕሊል ብዛዕባ እቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተወሰዱን ኣብ ኲናት ትግራይ ከም እተሳተፉ ዝንገረሎምን ወተሃደራት ሶማል እትፈልጦ ተኣፋፊ ሓበሬታ ስለ ዘለዋ ክትጠፍእ ከም ዝተገበረ ይኸስሱ።

ንጉዳይ ምስዋር ኣባል ስልያ ዝነበረት ታህሊል ዘጻሪ ኮሚሽን ብፕረዚደንት እታ ሃገር ክቐውም’ኳ እንተተገበረ፤ ኣዲኣ ግን ነዚ ውሳነ ብምቅዋም እቲ ጉዳይ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ሓቲታ።