ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ብራስለስ ብሽም ኣብታ ሃገር ዝተቐትለት ፋይቶት ሓድሽ ጎደና ክትስይም'ያ

ምንጪ ስእሊ, KEVIN VAN DEN PANHUYZEN/BRUZZ
ከተማ ብራስለስ፡ ብሽም ኣብታ ሃገር ዝተቐትለት ናይጄሪያዊት ፋይቶት ሓድሽ ጎደና ክትስይም'ያ።
እዚ ኣካል እቲ ኣብ ቤልጅም ንደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ክወሃብ ኣለዎ ብዝብል ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጎስጓስ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ከም ዝበሎ፡ እቲ ጎደና ብሽም እታ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ብካራ ተወጊኣ ዝሞተት ኢዩኒሴ ሳያንዲ ክኸውን'ዩ።
እታ ግዳይ ኣብ ኤውሮጳ ጽቡቕ ዕድል ስራሕን ህይወትን ክትረክብ ከም ዝሕግዙዋ ቃል ብዝኣተውላ ሰባት ተታሊላ ብ2016 ናብታ ሃገር መጺኣ።
እቲ ናብ ኤውሮጳ ዕድመ ዝገበረላ ውልቀሰብ ወኪል እቶም ኮኸብ ተዋሳኢት ፊልሚ ክንገብረኪ ኢና ዝበሉ'ዩ መሲሉዋ ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ እዞም ሰባት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት'ዮም ነይሮም። ናብ ብራስለስ ምስ መጽአት ድማ ኣገዲዶም ኣብ ምንዝርና ክትዋፈር ገይሮማ።
ናብ ኤውሮጳ ናይ ዘስገሩዋን ክራይ ገዛ ናይ ዝኸፈሉላን ድማ 52 ሽሕ ዶላር ንእውደኪ ኢና ኢሎምዋ።
ኣብቲ ዝሞተትሉ ሰሙን፡ ኣብቲ ዝተዋፈረትሉ ስራሕ ምፍርራሕን መጥቃዕትን ይበጽሓ ከም ዘሎ ንሓደ ገባሪ ሰናይ ፋይቶት ኣዘራሪባ ነይራ።
ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ስደተኛ ስለ ዘይኮነት ድማ ናብ ፖሊስ ምኻድ ከም ዘስግኣ ሓቢራ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ግን ሳያንዲ ብሓደ ውልቀሰብ 17 ግዜ ብካራ ተወጊኣ ኣብ መበል 23 ዓመታ ሞይታ።
ድሕሪ'ዚ፡ ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈራ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝወደብኦ ተቓውሞታት ክካየድ ጀሚሩ።
እዞም ሰልፍታት ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኩነታት ክፍጠረለንን ናይ ከባቢ ኣመሓደርትን ነቲ ዓውዲ ዝጥምት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክትግብሩን ዝሓቱ ነበሩ።
ኣብ ቤልጅም፡ ምንዝርና ዘይሕጋዊ እኳ እንተዘይኮነ፡ ንኹሉ ዝገዝእ ሃገራዊ ሕጊ ግን የለን።
ብቕትለት ሳያንዲ ዝተኸሰሰ ወዲ 17 ዓመት ጥርጡር ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ይርኣይ ኣሎ።
እቶም ኣርባዕተ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ'ውን ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት [2021] ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም።
ሕጂ ሓድሽ ጎደና ብሽም እታ ግዳይ ክስየም ምግባር ኩለን "ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ" ዝተዘንግዓ ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ንክረኽባ ንምግባር ዝዓለመ'ዩ ክብል ቤት ምኽሪ ብራስለስ ገሊጹ።
እዚ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እታ ከተማ ዝርከብ ጎደና ኣብታ ሃገር ብሽም ፋይቶት ዝተሰየመ ፈላማይ ጎደና ከም ዝኾነ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ኣርቲቢኤፍ ሓቢሩ።
ቤት ምኽሪ ብራስለስ፡ ቅድም ኢሉ ብብርክት ዝበላ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ጎደናታት ሰይሙ'ዩ።
ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኣንስ ፐርሱንስ ግን፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ 69 ዓመት ዝርከባ 42 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ እዋን ኣካላዊ ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑወን'ዩ ኢላ።
"ኣብተን ፋይቶት እንተኾይኑ ድማ እዚ ቑጽሪ ዝለዓለ ይኸውን። ነዚ'ዩ ሳያንዲ ብሽማ ጎደና ክስየም ዝኽኣለ" ትብል።
እቲ ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝርከብ ጎደና ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
