ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዱ

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታለ ቤኔት ናብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ኾይኑ፤ እዘን መዳውብቲ ሃገራት ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት'የን ዝበጻጽሓ ዘለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታለ ቤኔት፡ ነቲ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ሻርም ኢል ሼክ ዝተብሃለ መዘናግዒ ቦታ ኮይኖም ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ዝተመያየጥዎ "ጽቡቕን ኣዝዩ ኣግዳስን" ብምባል ገሊጽዎ።

ግብጺ ብወገና፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን፡ ንሰለማዊ መስርሕ እስራኤልን ፍሊስጤምን ህይወት ኣብ ምስኳዕ ዝሕግዝን ምምይያጦም ገሊጻ።

ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒሰትርነት ንእሰራኤል ዝመርሓ ቤንጃሚን ናትንያሁ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ስዒሩ ስልጣን ዝተረከበ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታለ ቤኔት ብግብጺ ብዝቐረበሉ ዕድመ'ዩ ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ቤንጃሚን ናትናያሁ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2011 ናብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ምከያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ቤንጃሚን ናታንያሁ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑሱን ሙባርክ ድሕረ ሓደ ወርሒ ርክቦም ካብ ስልጣኑ ከምዝተዓለወ'ውን ይዝከር።

ቤንጃሚን ናትናያሁ ኣብ 2018'ውን ብስቱር ናብ ግብጺ ብምኻድ ምስ ኣል ሲሲ ምዝርራቡ ይጥቀስ እዩ እዚ ግን ብወግዒ ኣይተሓበረን።

ብዘይካ እዚ ኣል ሲሲን ቤንጃሚን ናታንያሁን ኣብ ኣኼባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ብሒቶም ተዘራሪቦም ምንባሮም ይግለጽ።

ግንጽን እስራኤልን ደማዊ ኵናት ድሕሪ ምክያደን፡ ግብጺ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ኣብ 1979 ንምጀመርታ ግዜ ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ዝፈረምት ሃገር እያ።

ዝርዘራዊ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤኔት ብጸጥታዊ ምኽንያታት ዋላ እኳ እንተዘይተሓበረ፡ ኣብቲ ብሰኑይ ዝገበሮ ምብጻሕ ርክቦም ቅድሚ ምጅማሩ'ዩ ብወግዒ ተሓቢሩ።