ገለ ሓቅታት ብዛዕባ እታ 13 ኣዋርሕ እትቖጽር ሃገር-ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናይ ሎሚ ዘበን ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዯጵያ ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ኲናት ምኽንያት፡ ብዙሓት ነበርቲ ከተማ ብናብራ ምኽባር ኣብ ዘንጸርጽርሉ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ድማ ኣማኢቲ ኣሸሓት ኣብ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዝወደቕሉ እዋን እዩ ዝኽበር ዘሎ።
ብዙሓት ዜጋታት ብዘለዎም ሸሚቶምን ደጊሶምን፤ ምስ ዘመድ ኣዝማዶም ምስ ጎረባብቶምን ኣሕሊፎምዎ።
ብዛዕባ እዚ ፍልይ ዝበለ ኣቆጻጽራ ዘበን ፣ ባህልን ታሪኽን ኢትዮጵያ ክንድህስስ።
ኣብ ዓመት ዓስርተ ሰለስተ ኣዋርሕ
ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ወይ ከኣ ኣቆጻጽራ ግእዝ እናተብሃለ ዝጽዋዕ፡ 13 ኣዋርሕ ስለዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን ዝፍለ።
ካብ ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን፡ ብ7 ዓመትን ሰሞንተ ወርሕን ኣፈላላይ’ውን ኣለዎ።
ትማሊ ቀዳም ምስከረም ሓደ ኢላ ሓድሽ ዓመት ጀሚራ ኣላ።
ናይቲ ኣፈላላይ መበገሲ፡ ልደት እየሱስ ክርስቶስ ብዝተፈለየ መገዲ ስለ እተስለሖ እዩ።
ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ፡ ድሕሪ ልደተ ከልርስቶስ ብ500 ዓመታት ዘመሓየሸቶ እንትትኸውን፡ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ግና፡ በቲ ዝነበረቶ ቀጺላትሉ።
ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን፡ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ፡ መስከረም 11 ወይ ድማ 12 ኣብ መባእታ ወቕቲ ጽድያ እዩ ዝብሕት።
እቲ ኣዋርሕን መዓልታትን ዝተኸፋፈልሉ መገዲ ቀሊል እዩ። ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ በብ30 መዓልታት ዝተኸፋፈሉ ኾይኖም፡ እታ ናይ መወዳእታ ወርሒ ግና፡ ሓሙሽተ ወ ድማ ሽድሽተ መዓልታት ኣለዋ።
ኣብ ኣቆጻጽራ ሰዓታት’ውን ይፍለ እዩ። ንጎሆ 12 ሰዓት፡ ዝጅምር ኮይኑ ፋዱስ ቀትርን ፍርቂ ለይትን ድማ፡ ሰዓት ሽድሽተ ይኸውን።
ምናልባሽ ወጻእተኛ ኾይንኩም፡ ኣብ ኣዲስ ኣባባ መስ ዝርከቡ መሓዛኹም ቡን ንምስታይ፡ ንጎሆ ዓሰርተ ሰዓታት ንምርኻብ ደሊኹም፡ 'ዓሰርተ ሰዓት ንራኸብ' እንተኢልኩምዎ፡ ምሸት ሰዓት 10 ከምዝመጽእ ኣይትጥራጠሩ።
ብባዕዳዊ ዘይተገዝኣት ሃገር
ሓያላት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ንኣፍሪቃ እንትቀራመቱ፡ ጣልያን ድማ ንኢትዮጵያ ንምውራር ፈቲና ነይራ። እንተኾነ ዘሕፍር ስዕረት ተጎልቢባ እያ ተመሊሳ።
ኮይኑ ግና፡ ሓደ ጣልያናዊ ወናኒ መርከብ፡ ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ዓሰብ ብምግዛኡ፡ ጣልያን ንኤርትራ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ክትሕዝ ክኢላ እያ።
መጋቢት 1889 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣብ ኲናት መተማ ምስ ሞቱ፡ ዓብዪ ምድንጋራት ተፈጢሩ ዝነበረ ኾይኑ፡ እዚ ጣልያን ወሰና ወሰን ባሕርታትን ካልኦት ከባብታትን ክትቆጻጸር መገዲ ከፊቱላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተኾነ፡ ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ጣልያን ናብ ካልኦታት ከባብታት ኢትዮጵያ ምድፋእ ምስ ጀመረት፡ ኣብ ኲናት ዓድዋ ተስዒራ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ዘበነ ሃጸይ ሚኒሊክ፡ ጣልያን ንናጽነት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ብምሃብ ክትፈራረም ተገዲዳ።
እንተኾነ፡ ድሕሪ ኣርባዓ ዓመታት፡ ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ መራሒ ፋሺሽት ቤኒቶ ሙሶሊኒ፡ ነቲ ውዕል ጥሒሱ ብምእታው፡ ነታ ሃገር ንሓሙሽተ ዓመታት ተቖጻጺሩዋ።
እንተኾነ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ብሓገዝ እንግሊዝ፡ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ጣልያን ኣባሪሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ናብ መንበረ ስልጣኖም ዝተመለሱ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ 'ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ' ክምስረት ድፍኢት ፈጢሮም።
ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ።
ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ "ኩሎም ኣፍሪቃውያን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ እንተዘይወጺኦም ናትና ናጽነት ትርጉም የብሉን" ዝበሉ ኾይኖም፡ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ብ 1963 እዩ ብዕሊ ተመስሪቱ።
ንታቓላሳይ ናጽነት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንዴላ፡ ኣብ አፍሪቃ ንምንቅስቓስ ዘኽአሎ ፓስፖርት ብምሃብ፡ ብርክት ንዝበሉ ካልኦት መራሕቲ ናጽነት ደጊፎም።
ኔልሰን ማንዴኣ ኣብ መጽሓፎም፡ ንኢትዮጵያ ዘለዎም ፍቕሪ ኣስፊሮም ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንንጉስ ዘምልኹ ራስ ተፈርያን
ናብ ኣፍሪቃ ምምላስ ዝብል ጎስጓስ ብቀንዱ ዝመርሕ ዝነበረ፡ ተቓለሳይ መሰል ጸለምቲ፡ ማርከስ ጋርቬይ ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ብ1920 "መዓልቲ ናጽነት ቀሪቡ እዩ'ሞ፡ ናብ ኣፍሪቃ ተመልከቱ፤ ጸሊም ንጉስ ክነግስ እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ድሕሪ ዓሰረት ዓመታት ወዲ 38 ዓመት ራስ ተፈሪ፡ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ተብሂሉ ምስ ነገሰ፡ ገለ ጀማይካውያን ትንቢት ተፈጻሚ ከምዝኾነ ስለዝኣመኑ፡ ምንቅስቓስ ራስ ተፈርያን ጀሚሮም።
ኮኾብ ሙዚቃ ሬጌ ዝኾ ቦብ ማርሌይ፡ ናይቶም ራእስታት መልእኽቲ ኣብ ምግዋሕ ዓቢዪ እጃም ከምዝተጻወተ ይዝረበሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብፍላይ 'ዋር' ዝብል ዜምኡ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብ1963 ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ 'ጻወዒት ሰላም' ዝምልከት እዩ።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ጸለምቲ ብንግዲ ባርያ ምግዓዞምን ናብ ዓዶም ፍሪቃ ንምምላስ ዘለዎም ሕልሚን ድማ ኣቃሊሑ።
ካብ ኣዲስ ኣባበ፡ 225 ኪ.ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሸሸመኔ በቶም ንጉስ ዝተውሃበ መሬት መሰረት፡ ዛጊድ ንእስ ዝበለ ማሕበረሰብ ራስ ተፈርያን ተጣይሱ ይርከብ፥
ኃይለ ስላሴ ሰዓቢ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እንተኾኑ'ኳ፡ ራስተፈርያን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሶም ዓሌት ኣንበሳ እዮም ብዝብል ከም ኣምላኾም ይሪእዎም።

ምንጪ ስእሊ, AFWERKI GEBREHIWOT
መንበረ ታቦተ ጽዮን
ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ 10 ትእዛዛት ዝተጽሓፎ ጽላት ኣብ ትግራይ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ከምዝርከብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ይኣምኑ።
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ’ውን እቲ ታቦት ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ማርያም ጽዮን ኣኽሱም ዝኾነ ይኹን ሰብ ክኣትዎ ኣብ ዘይፍቀደሉ ቦታ ጥቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ እዩ።
ኣብ ጉዳይ ኣመጻጽእኡ ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝካትዑ’ኳ እንተኾኑ፤ ኢትዮጵያውያን ዝቕበልዎ ታሪኽ ግን ምስ ንግስቲ ሳባ ዝተሓሓዝ’ዩ።
ንግስተ ሰባ ካብ ንጉስ ሰለሞን ጥበብ ንኽትመሃር ብምሕሳብ ካብ ኣክሱም ናብ እየሩሳሌም ምኻዳ ብዙሓት ይኣምኑ።
ብዛዕባ መገሻኣን ብፍቕሪ እቲ ንጉስ ከምዝተማረኽትን ድማ ኣብቲ ንታሪኽ ነገስታት ዘዘንትው ኣብ መበል 14 ክፍለዘበን ብቋንቋ ግእዝ ዝተትሓፈ ክብረ-ነገስት ሰፊሩ ይርከብ።
ንግስተ ሳባ ወይ ማክዳ ሚኒሊክ ዝተባሃለ ቆልዓ ከምዝወለደትን ብድሕሪ ዓመታት ምስ ኣቡኡ ክተላልዮ ናብ እየሩሳሌም ከምዝኸደትን እቲ መጽሓፍ የዘንትው።
ሽዑ ሚኒሊክ ካብ እስራኤል ክምለስ ከሎ ሓደ ካብ ዓጀብቱ ነቲ ትኽክለኛ ጽላተ ሙሴ ብኻልእ ተመሳሳሊ ስኑዕ ብምትካእ ናብ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ከምዝመጽአ ይግለጽ።
ነቲ ተግባር ዝተገንዘበ ሚኒሊክ ከኣ ‘ስራሕ ኣምላኽ’ዩ’ ብምባል እቲ ጽላት ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሕ ተስማሚዑ።
ኣብዚ እዋን ህዝቢ ንታቦተ ጽዮን [ጽላተ ሙሴ] ዘለዎ ተኣማንነት ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእቲ ምኽፋል ይበጽሕ።
ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ጨፍጫፍ ድሕሪ ምክያዶም ንቤተክርስትያን ኣኽሱም ጽዮን ክዘምቱ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ህዝቢ ዘርኣዮ ጽንዓት ናይዚ መርኣይ እዩ።
ኣብታ ከተማ ዝነብር ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል መናእሰይ ነቲ ታቦት ክሕልዉ ናብቲ ቦታ ከምዝኸዱ ብምግላጽ “ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ብዘይኣፈላላይ ተቓሊሶም፤ [ወተሃደራት ኤርትራ] ተኲሶም ንገሊኦም ቀቲሎምዎም። ቅርስና ብምዕቃብና ግና ሕጉሳት ኢና’ ኢሉ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ሰራዊቱ ነቲ ተግባር ከምዘይወዓልዎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ ስዑዲ ዓረብ ቀጺሉ ቅዱስ መንበሪ ሰዓብቲ እስልምና
ሰዓብቲ እስልምና ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይሳደዱ ኣብ ዝነበሩሉ 7ይ ክፍለ ዘበን፡ ነብዩ መሓመድ “ናብ ምድሪ ሓበሻ ኪዱ፤ ኣብኡ ግፍዒ ዘይጻወር ንጉስ ክትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ከምዝለኣኾም ይዝንቶ።
ማዕድኦም ዝሰምዑ ውሑድ ቁጽሪ ዝነበሮም ኣመንቲ ከኣ ኣብ ትግራይ ነጋሽ ናብ ዝበሃል ቦታ ከይዶም።
እቶም ስደተኛታት ኣብኡ ምስበጽሑ ኣብ ኣፍሪቃ ጥንታዊ ዝበሃል መስጊድ ብምህናጽ ክነብሩ ጀሚሮም።
ሰዓብቲ እቲ እምነት ከምዝብልዎ ኣብቲ መስጊድ 15 ተኸተልቲ ነብዩ መሓመድ ተቐቢሮም ይርከቡ።
ኣብ ታሪኽ እስልምና ድማ እቲ ናብ ነጋሽ ዝተገበረ ጉዕዞ ፈላማይ ሂጅራ ወይ ፍልሰት ብዝብል ይፍለጥ።
መስጊድ ኣል-ነጃሺ’ውን በቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ጉድኣት ካብ ዝበጽሖም ሃይማኖታዊ፣ ታሪኻውን ጥንታውን ቦታታት ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ መስጊድ ብኸቢድ መሳርሒ ከምዝተወቐዐ ይግለጽ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
