ኣብ ሆስፒታል ብዝተፈጠረ ስሕተት ምስ ካልእ ህጻን ዝተቐያየረት ውልቀሰብ ካሕሳ ሓቲታ

Published

ኣብ ስፔን ቅድሚ 19 ዓመት ኣብ ሆስፒታል ዝተወለደት ውልቀብ፡ ህጻን ኮይና ብስሕተት ምስ ናይ ካልእ ሓራስ ህጻን ከምዝተቐያየረት ብምግላጽ ካሕሳ ክወሃባ ከምዝሓተተት ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

እታ ውልቀብ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝገበረቶ ምርመራ ‘ዲኤንኤ’ ነዚ ክተረጋግጽ ብምኽኣላ’ያ ሰብ መዚ ጥዕና ክኽሕስዋ ትሓትት ዘላ።

ኣብ 2002 ኣብ ሆስፒታል ምስተወለደት ብዝተፈጠረ ስሕተት ምስ ካልእ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝተወለደት ህጻን ከምዝተቐያየረት ተገሊጹ።

እተን ማማያት ቅድሚ ናብ ኣደታተን ምርካበን ሙቐት ኣብ ዝህብ ማሽን ክጸንሓ ዝተገበሩ ኮይኑ፤ ደሓር ድማ ብጌጋ ተቐያይረን ነተን ሓራሳት ተዋሂበን።

ኣመሓደርቲ እቲ ካባቢ እቲ ምቅይያር ከምዘጋጠመ ብምእማን “ሰብ ሰርሖ ስሕተት” ክብሉ ገሊጾምዎ።

ሚንስትር ጥዕና መንግስቲ ግዝኣት ላ ሪዮጃ ዝኾነት ሳራ ኣልባ፡ ነቲ ስሕተት መን ከምዝፈጸሞ መደምደምታ ምሃብ ኣጻጋሚ ከምዝኾነ ብሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ሓቢራ።

“ኣብዚ ሎሚ እዋን ግን ከምዚ ዝበለ ስሕተት ክፍጸም ዘይሕሰብ’ዩ” ዝበለት እታ ሚንስተር፡ ነዚ ዝበለት ድማ ውሑስን ዘተኣማምንን መስርሕ ምልላይ ህጻናት ስለዝካየድ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ቅድሚ 19 ዓመታት ዝተፈጸመ ስሕተት ንፈለማ እዋን ኣብ ጋዜጣ ላ ሪዮጃ ዝተቓልሐ ኮይኑ፤ እታ ውልቀብ 3.5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ካብ ሚንስትሪ ጥዕና እቲ ግዝኣት ምሕታታ ተገሊጹ።

እቲ ሚንስትሪ ግን 215,000 ዩሮ ጥራሕ ንካሕሳ ከምዘቕረበ ጸብጻባት የመልክቱ።

እታ በቲ ዝተፈጸመ ስሕተት ዘይውሉዳ ሒዛ ዝኸደት ካልእ ኣደ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክትፈልጥ ከምዝተገበረን ዛጊድ ግን ዘቕረበቶ ክሲ ከምዘየለን ጋዜጣ ‘ኤል ፓይስ’ ሓቢራ።

ሎሚ ክሲ ኣቕሪባ ዘላ ውልቀብ ስማ ዘይተገለጸ ኮይኑ፤ እኖሓጎኣ ከምዝኾነት ምስእትኣምና ሰበይቲ ከምዝዓበየት ተፈሊጡ’ሎ።

እታ እነሓጎ ኣብ 2007 ንኣቦ እታ ቖልዓ ምስ ክንክን ውላዱ ብዝተሓሓዝ ምስከሰሰቶ ቤት ፍርዲ ምርመራ ‘ዲኤንኤ’ ክካየድ ውሳነ ምሃቡ ይግለጽ።

ብዝተገበረ ምርመራ ድማ እቲ ሰብኣይ ኣቦ እታ ቆልዓ ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ። ጸኒሑ ብዝተኻየደ ምርመራ’ውን ምስኣዲኣ ዝኾነ መቦቆላዊ [‘ጀነቲካዊ’] ርክብ ከምዘይብለን ተፈሊጡ።

ዕድሚኣ 16 ዓመት ምስመልአ ሰበስልጣን ጥዕና ኣብቲ ጉዳይ ምጽራይ ክገብሩ ጸቕጢ ክፈጥሩ ንዝበለቶም ሰብሞያ ሕጊ ረኺባ ከምዘዘራረበቶም ተሓቢሩ።