ኢትዮ-ቴሌኮም 40 ሚኢታዊት ብፅሒቱ ንምሻጥ ንተወዳደርቲ ክፍቲ ገይሩ

kids playing with a phone

ምንጪ ስእሊ, Justin Sullivan

Published

ሚኒስቴር ገንዘብ ኢትዮጵያ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ትልሚ ዝኾነ 40 ሚእታዊት ብፅሒት ኣክስዮን ንምሻጥ፡ ንተወዳደርቲ ክፍቲ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ምስዚ ብዝዛመድ ናይ ኦፕሬሽን፣ ምምሕዳር መሰረተ ልምዓትን ዓቕምታት ቴክኖሎጂን ብዝምልከት ዘለዉ ብሉፃት ተሞክሮታት ብምምፃእ፡ ዋጋ ምውሳኽ ዝኽእሉ ድሌት ንዘለዎም ተጫረትቲ ከምዝዓደመ ተሓቢሩ።

ብኽፋል ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ናይ ድሌት መግለጺ ቅጥዒ ከምዝወፅአን፡ እዚ ድማ ብኽፋል ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ዝምልከቱ መምርሕታትን ዝርዝር ሓበሬታትን ዝቐርበሉ ከይድን ረቛሕታት ብቕዓትን ሓዊሱ፡ ኣብቲ ሰነድ ከምዝሰፈረ ተገሊፁ።

ነዚ ቅጥዒ ንምርካብ ድሌት ዘለዎ ኣካል ዘይምለስ 20 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ካብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ሓደ ዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ብኣታዊኡ ኣትረፍቲ ካብ ዝኾኑ ትካላት ሓደ'ኳ እንተኾነ፡ ምስ ካልኦት ትካላት እቲ ዞባ እንትነፃፀር ትሑት ከምዝነበረ፡ ተንተንቲ እቲ ዓውዲ ይገልፁ።

ኢትዮጵያ፡ ንኢትዮ-ቴሌኮም ሓዊሱ ካልኦት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምሻጥ ዝወሰነት፡ ብቐንዱ ዘለዋ ብዙሕ ዕዳ ንምኽፋል ከምዝኾነ፤ ብተወሳኺ ከኣ ተበፃሕነት ቴሌኮም ንምውሳኽን ኣገልግሎት ንምቅልጣፍን ከምዝኾነ ይጥቀስ።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሪፎርም መደብ ኮይኑ፡ ናይ ውልቀ ቁጠባ ግደ ንምውሳኽ፣ ልምዓታት መንግስቲ ንምምሕያሽ፣ ተወዳድራይነቶም ንምጉልባት፣ ካፒታል ንዘለዎም ተበፃሕነትን ፅሬት ኣገልግሎት ንምምሕያሽን፡ ናብ ውልቀ ናይ ምዝውዋር ኣዋጅ ከምዝወፅአ፡ ሚኒስትር ገንዘብ ኣብ ናይ ሎሚመዓልቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ብትካላት ወፃኢ ካብ ዝተሓዙ ክልተ ፍቓዳት ቴሌኮም ብተወሳኺ፡ ቀንዲ ኣግልግሎት ወሃቢ እታ ሃገር ዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም'ውን ንሰብሃፍቲ ማዕፅኡ ክፍቲ ገይሩ ኣሎ።

ብብሕታውነት ብመንግስቲ ክውነን ዝፀንሐ እዚ ትካል፡ 40 ሚእታዊት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ፣ 5 ሚእታዊት ንኢትዮጵያውያን፣ እቲ 55 ሚእታዊት ድማ መንግስቲ ክሕዞ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ፍቓድ ቴሌኮም ዝተውሃቦ፡ ብኬንያዊ ሳፋሪኮም ንዝምራሕ ጥምረት እንትኾን፡ ብ 850 ሚልየን ዳላር እዩ ስዒሩ።

እዚ 'ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ' ዝተሰመየ ጥምረት፡ ኣብቲ ዘፈር ኣለዉ ዝበሃሉ ትካላትን ኩባንያታትን ቴሌኮም ብጥምረት ዝሓዘ እንትኾን፡ እዚኦም'ውን ሳፋሪኮም፣ ቮዳኮም ግሩፕ፣ ቮዳፎን ግሩፕን ሱሚቶሞ ኮርፖሬሽንን ሲዲሲ ግሩፕን ዝተኻተትሉ'ዩ።