ሩስያ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ህጹጽ ሓደጋታት ንካልእ ሰብ ከድሕን ክብል ከምዝሞተ ተገሊጹ

Published

ሩስያዊ ሚኒስተር ህጹጽ ሓደጋታት የቭገኒ ዚኒቸቭ፡ ኣብ ቦታ ስልጠና ሲቪላዊ ምክልኻል ሓደጋ ኣጋጢምዎ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ወዲ 55 ዓመት ሚኒስተር፡ ንካልእ ሰብ ንምድሓን ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ከምዝሞተ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ሓላፊት መንግስታዊ ተለቪዥን ኣር-ቲ ከምዝበለቶ፡ ሓደ ሰኣላይ (ካሜራማን) እቲ ሚኒስተር ቃለመሕትት እናገበረ እንከሎ ሸተት ኢሉ ጸዲፉ።

"ንሱን እቲ ካሜራማንን ኣብ ደንደስ ጸድፊ'ዮም ነይሮም። እቲ ካሜራ ማን ሸተት ኢሉ ናብቲ ማይ ወዲቑ" ክትብል እታ ሓላፊት ተዛሪባ።

"ዚኒቸቭ፡ ነቲ ዝወደቐ ካሜራማን ከድሕን ተጓይዩ ዘሊሉ፡ ውጥም ዝበለ ከውሒ ሃሪምዎ ኸኣ ሞይቱ" ኢላ።

እቲ ዳይረክተር ፊልም ምዃኑ ዝተነግረሉ ወዲ 63 ካሜራማን ኣለክዛንዳር መልኒክ'ውን ከምዝሞተ ተፈሊጡ።

እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ሰሜን ሳይበርያ ኣብ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሕዛእቲ ዘሎ መንጨጫዕታ ኪታቦ ኦሮን እዩ ተፈጺሙ።

ዚኒቸቭ፡ ካብ 2018 ኣትሒዙ ሚኒስተር ህጹጽ ሓደጋታት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ቀንዲ ኣባል ሓለዋ ጸጥታ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝነበረ ምዃኑ ይንገረሉ።

ኣብ እዋን ሶቬት ሕብረት ኣባል ትካል ስለያ ከይ-ጂ-ፒ ዝነበረ እቲ ሚኒስተር ዳርጋ ዝበዝሕ ግዚኡ ኣብ ትካል ሃገራዊ ጸጥታ'ዩ ኣሕሊፍዎ።

ቤተመንግስቲ ክረምሊን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ምስቲ ሚኒስተር ንነዊሕ እዋን ከምዝሰርሐ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣፈኛ ፑቲን ድሚትሪ ፐስኮቭ ድማ ዓቢ ክሳራ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ኣብቲ ቦታ ዝሞተ ስኣላይ መልኒክ ብወገኑ፡ ደራስን ዳይረክተርን ናይቲ ኣብ ኣርክቲክ ዝተሰርሐ 'ቶሪቶሪ' ዝተባህለ ናይ በረኻ ፊልም ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ፍሉጥ ፊልም ኣብቲ ዝሞተሉ ቦታ ከምዝተሰርሐ'ውን ተገሊጹ።

ኣብቲ እዋን፡ ብዛዕባ ልምዓታዊ ምዕባለ ናይቲ ከባቢ ዝገልጽ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ምድላዉ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ሓደጋ፡ ንልምምዳት ህጹጽ ሓደጋታት ናይቲ ሚኒስትሪ እናሰነዱ ምንባሮም ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ጸብጺበን።

ምክትል ናይቲ ሚኒስተር፡ ኣንድረይ ጉሮቪች ንተለቪዥን ሮስያ 24 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓላፊኡ "ከም ሚኒስተር ዘይኮነስ፡ ከም ሰራሕተኛ ሂወት ኣድሕን" ግብረመልሲ ሂቡ ክብል ተዛሪቡ። "ምሉእ ሂወቱ ብኸምኡ'ዩ ኣሕሊፍዎ" ድማ ኢሉ።

ሬሳ ናይቲ ብረቡዕ ንጉሆ ዝሞተ ሚኒስተር ናብ ርእሰከተማ ሞስኮ ከምዝተወስደ ተፈሊጡ።

እቲ በቲ ሚኒስትሪ ዝካየድ ዝነበረ ልምምድ ዘይንቡርን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ዝተኻየደን'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ፑቲን ዝተኻየደ ልምምድ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ህጹጽ ሓደጋታት ሩስያ ዝተዋጽኡ 6000 ኪኢላታት ተሳቲፎም።