እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፈላሚ ተደራራቢ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና
Published
ወዲ 55 ዓመት ኣቶ ገበያው፡ ተደራራቢ ናይ ልቢ ሕማም ገጢምዎ ናብ ሕክምና ኣብ ዘምርሓሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር መጥባሕቲ ዕውት ክኸውን እዩ ኢሉ ኣይሓሰበን።
ዶክተር ፍቓዱ ኣግዋር ምስ 10 መሳርሕቱ ዝተሳተፈሉ መጥባሕቲ ሽዱሽተ ሰዓት ክወስድ እንከሎ፡ ጥዕና እቲ ተሓካሚ ናብ ንቡር ምምላስ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝተባሃለሉ መጥባሕቲ ብኸመይ እዩ ተኻዪዱ?