ካብ ሓደ መዐደኒ ኣልማዝ ኣንጎላ ዝወጸ መርዛም ፈሳሲ፡ ኣብ ኮንጎ 12 ሰባት ቀቲሉ

ናብቲ ቀይሕ ሩባ ዘመልክት ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ መርዛም ፈሳሲ ንሩባ ሺሳፓ ናብ ቀይሕ ሕብሪ ዝቀየረ እንትኮን፡ ንጉማረታት፣ ዓሳታትን ካልኦት እንስሳትን ቀቲሉ
Published

ኣብ ኣንጎላ ካብ ሓደ ዓብይ መዐደኒ ኣልማዝ ብዝወጽአ መርዛም ፈሳሲ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብውሑዱ 12 ሰባት ሞይቶም፤ 4,500 ሰባት ድማ ከምዝሓመሙ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

እቲ ፈሳሲ ንሩባ ኮንጎ ንዝምግብ ሩባ ናብ ቀይሕ ሕብሪ ዝለወጦ እንትኾን ብዙሓት ዓሳታት ድማ ቀቲሉ።

ሚኒስትር ሓለዋ ከባቢ ዲሞራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኢቭ ባዛይባ፡ ነበርቲ ነቶም ዓሳታት ከምዝተመገብዎም ገሊጻ።

ሃገራ ንዝበጽሓ ጉድኣት ካሕሳ ከምትደልይ ኣፍሊጣ፤ ክንደየናይ ዝኣክል ካሕሳ ዝብል ግና ኣይተዛረበትን።

ወነንቲ ናይቲ እቲ መርዛም ፈሳሲ ወጺኡሉ ዝተብሃለ መዐደኒ ማዕድን ካቶካ፡ ዛጊድ ዝሃብዎ ምላሽ የለን።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ እቲ መዐደኒ 75 ሚእታዊት ናይ ኣንጎላ ኣልማዝ ከምዘፍርይ ጸብጺቡ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ካብ ውሽጢ መዐደኒ ተረፈ ምህርቲ ዝሓዘ መአከቢ ምፍሳሱ ስዒቡ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ዝርከብ ሩባ ሺሳፓ ናብ ቀይሕ ሕብሪ ዝቀየረ እንትኮን፡ ንጉማረታት፣ ዓሳታትን ካልኦት እንስሳትን ቀቲሉ'ዩ።

እታ ሚኒስትር፡ "ብዙሓት ዝሞቱ ዓሳታት ኣብቲ ሩባ ተንሳፊፎም ኔሮም። ነቲ ዓሳ ምውሳድ'ዩ ኔሩ እቲ ፈላማይ ስራሕ" ኢላ።

ሰብመዚ ግዝኣት ካሳይ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ማይ ከይሰትዩን ካብቲ ሩባ ዓሳ ከይበልዑን'ኳ እንተኣገዱ፡ ኣስታት ሓደ ሚልየን ሰባት ከምዝተጎድኡ ተገሊጹ።

ኣብ ወሰን እቲ ሩባ ዝነብሩ ሰባት፡ ብውጽኣትን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ተጎዲኦም።

እታ ሚኒስትር፡ መንግስቲ ኣንጎላ ኮነ ወናኒ እቲ መዐደኒ ሓላፍነት ክወስዱ ይግባእ ኢላ።

እንተኾነ፡ ንዘብጽሕዎ "ጉድኣት" ክኸፍሉ'ዮም ካብ ምባል ወጻኢ፡ ሃገራ ነቲ ጉድኣት ክከሓስ ይግባእ ትብሎ መጠን ካሕሳ ብዝርዝር ኣይገለጸትን።

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣንጎላ ብዝርከብ ትካል ኢንዲያማን ሩስያዊ ትካል ኣልሮሳ ዝውነን መዐደኒ ካቶካ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ማይ ዝግ ኢሉ ዘሎ ነገራት ካብቲ ማይ ንምጽራይ ክልተ መትረባት ከምዝሃነጸን እቲ ላሕኲ ምዕሻጉን ሮስተርስ ጸብጺቡ።