ካብ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ መጸባበቒ ዝሰረቐት ፈረንሳዊት ተኣሲራ

Published

እቲ ተጓንፎ እምበኣር ከምዚ’ዩ። ሓደ ዝተኸበረ ስድራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ነይሩ። ብዙሕ በጻሒ፡ ነቲ ሓዘንተኛ “ጽንዓት ይሃብኩም” እናበለ ይሰናበት ነይሩ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ሓንቲ ብዝኾነ ኣባል እቲ ስድራ ዘይትፍለጥ ሰበይቲ፡ ገጻ ሸፊና ናብቲ እንዳ ሓዘን ትኣቱ።

እቶም ኣባላት ስድራ እታ ሰበይቲ እንተዘጠይፈለጥዋ’ኳ፡ እንዳ ሓዘን ስለዝኾነስ ‘መኒኺ ኣይበሃልን’ ኢሎም ሱቕ ኢሎም ዕሽሽ ይብልዋ።

እዛ በጻሒት መሲላ ዝመጽአት ሰበይቲ ድማ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒማ፡ ናብቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ጽግዕ ኢላ መንዲላ ክሳብ ዝጥልቂ ‘ሀይ’ ኢላ ትበኪ።

እንተኾነ ገለ ኣባላት እቲ ስድራ ጽንሕ ኢሎም ናብቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ጽግዕ ኢሎም እንተስተውዐሉ፡ ናይታ መዋቲት ስድረኦም ናይ ክሳድ መመላኽዒ፣ ናይ ኢድ ቀለበትን ናይ እዝኒ መጋየጽን ኣብ ቦትኡ የለን።

ኣባላት’ቲ ስድራ ሽዑ ንሽዑ ናብ ፖሊስ ደዊሎም ነቲ ተጓንፎ የረድኡ። ካብ ሬሳ ሳንዱቕ መጸባበቒ ከምዝተሰረቖም ድማ ንፖሊስ ኣመልኪቶም።

እቲ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ምስ መርመረ፡ ነታ ኣብ 60ታት ዕድመ እትርከብ በጻሒት ሰበይቲ ክእልሻ ጀሚሩ።

መንበሪ ገዛ እታ ጥርጥርቲ፡ ካብቲ ከባቢ ብዙሕ ከይረሓቐት ከምዝርከብ ዝፈለጠ ፖሊስ፡ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዋ።

ፖሊስ ነታ ተጠርጣሪት ፡ ነቲ ዝሰረቐቶ መጸባቂ ሓዊሱ’ውን እዩ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዋ ተባሂሉ።

ፖሊስ ፈረንሳይ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቀይዲ እንተውዕል፡ ካብቲ መካነ መቓብር ካብ ካልእ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ናይ ጁባ ቦርሳ’ውን ከምዝሰረቐት ኣረጋጊጸ ኢሉ።

ናይታ ጥርጥርቲ ሰበይቲ መንበሪ ገዛ እንትፍተሽ ድማ፡ ናይ ቀረባ እዋን ናይ ሓዘን መግለጺታት’ውን ረኺቡ።