ፕረዚደንት ብራዚል “ወይ ክቕተል’የ ወይ ድማ ዳግማይ ክምረጽ’የ” ኢሉ

ፕረዚደንት ብራዚል ጄር ቦልሶናርዮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

መራሒ የማናይ ክንፊ ቦልሶናርዮ ቀጻሊ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ ምስ ፕረዚደንት ብራዚል ነበርን መራሒ ጸጋማይ ክንፊ ሊዩስ ኢንሳዮ ሉላ ዳ ሲልቭያ ክነሓናሕ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት፡ “ኣብ ቅድመይ ሰለስተ ኣማራጽታት ኣለዉኒ፤ ማእሰርቲ፣ ሞትን ዓወትን” እንተኾነ ግን እቲ ወተሃደር ከምዝነበረ ዝዝረበሉ ፕረዚደንት ክእሰረሉ ዝኽእል ዕድል ከምዘይነበረ ድሕሪ ምግላጽ “ምኽንያቱ ኣብዚ ምድሪ ንዓይ ዝፈታተን ሰብኣይ የለን” ኢሉ።

ፕረዚደንት ቦልሰናርዮ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወፍሪ ምረጹኒ 2018 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ካብ ሞት ንሕንጢጥ’ዩ ኣምሊጡ። ሰሱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ሓለፍቲ ፍትሕን ሰበ ስልጣን መረጻን እታ ሃገር ኣብ ልዑል ምትፍናን ኣብ ዘለሉ እዋን’ዩ እቲ ሓሳብ ተዛሪብዎ።

ንኻልኣይ ግዜ ክዕወት ተስፋ ኣሕዲሩ ዘሎ ወዲ 66 ዓመት ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ፡ መስርሕ መረጻ ኤሌክትሮኒክስ እታ ሃገር ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትዎ ኮይኑ ንደገፍቱ ናይቲ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ዝካየድ ውጽኢት መረጻ ክቕብልዎ ከምዘይብሎም ኣንፊቱ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሮብዕ ሓላፊ ቤት ፍርዲ መረጻ ብራዚል መስርሕ መረጻ ኤሌክትሮኒክስ ዋላ ሓንቲ ጸገም ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግን ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ መርገጺ ፍሒት ከምዘይብል ሓቢሩ። “ዝምድና ምብታኽ ዘይምነ ፕረዚደንት’ዩ ዘለና፤ እንተኾነ ግን ኩሉ ወሰን ኣለዎ። ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ክቕጽል ኣይክእልን’የ” ኢሉ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብቲ ንዕኡ ንምድጋፍ ተወጢኑ ዘሎ መስከረም 7 ዝካየድ ሃገር ለኸ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ንኽሳተፉ ተማሕጺንዎም’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 150 ደቀባት ዝኾኑ ብራዚላውያን ምስ ጥንታዊ ትሕዝቶ መርየት ተዛሚዱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።

ብራዚል ኣብዚ ሕጂ እዋን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣመና ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ኮይና ዛጊድ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታታ ካብ ምስኣና ብተወሳኺ ብሸቕሊ ኣልቦነት፣ ዓጸቦን ናህሪ ዋጋ ሸቐጣትን እትሳቐ ዘላ ሃገር እያ።