ላዕለዋይ ቤት ፍረዲ ኣመሪካ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ወሲኑ

ላዕለዋይ ቤት ፍረዲ ኣመሪካ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳይ ሕቶ ዑቕበኦም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ሞክሲኮ ክጸንሑ ዘገድድ ፖሊስ ዳግማይ ናብ ተግባር ከውዕል ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣዚዙ።

ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ ሕቶ ዑቕበኦም ዝጻረ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ዝእዝዝ ፖሊስ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ'ዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ነይሩ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኸኣ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ናይ ስልጣኑ ነቲ ሕጊ ምእላዩ ዝዝከር እዩ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተደንገገ ሕጊ ስደተኛታት ኣብተን ምስ ኣመሪካ ዘዳውባ ከተማታት ናይ ሜክሲኮ ንሕሱም ናብራ ከምዘቃልዖም'ዮም ዝማጎቱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ እቲ ብጆ ባይደን ዝተወሰነ ውሳነ 'ዝኾነ ዓወት ከመዝግብ ኣይክኣለን' ብምባል እቲ ኣቐዲሙ ዝወጽአ ሕጊ "ዊን ከምዝበለካ ዝእለን ብሃንደብት ዝልወጥን ኣይኮነን" ኢሉ።

ማሕበር 'ኣመሪካን ሲቪል ሊቢሪትስ' ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ዝጸደቐ ሕጊ ንምንታይ ክኣልዩ ከምዝመረጸ እኹል መግለጺ ክህብ ሓቲቱ ኣሎ።

ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ኣስታት 70 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕበኦም ንኽጻረ ኣብ መክሲኮ ኮይኖም ይጽበዩ ነይሮም፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ምምሕዳሩ፡ ጉዳያቶም ኣብ ምጽራይ እንከሎ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ከምዝፈቐደሎም እዩ ዝግለጽ።

በዚ ሕጂ ዳግማይ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ዘሎ ሕጊ ክንደይ ዝኾኑ ስደተኛታት ክጽለዉ ከምዝኽእሉ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ክፍሊ ጸጥታ ኣመሪካ ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ከምዘይዓገበ ብምግላጽ ነቲ ውሳነ ብጽኑዕ ከምዝብድሆ ገሊጹ ኣሎ።