ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ፡ ንደቂኣንስትዮ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ርእይቶ ኣንቂፍዋ

ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ንደቂኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "ጸፊሕ ኣፍልቢ" ስለዘለወን ንመርዓ ተመረጽቲ ኣይኮናን ምባላ ካብ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቐፌታ ኣስዒቡላ።

እታ ፕረዚደንት፡ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ኣብ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ - ሴካፋ ትሕቲ-23 ዓመት ንዝዓተርዎ ዋንጫ ከበርከቱላ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዳረ ሰላም ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ እያ ነዚ ዝበለት።

"ኣብዚ ኣምጺእና ተር እንተነብለን፡ እተን ጸፊሕ ኣፍልቢ ዘለወን፡ ኣወዳት'የን ምበልኩምወን" ኢላ።

ገሊአን እኳ ሓዳር እንተገበራ፡ መብዛሕትአን ኣይተመርዓዋን ዝበለት እታ ፕረዚደንት "ብምኽንያት እቲ ቅርጸን፡ መርዓ ሕልሚ እዩ" ኢላ።

እታ ፕረዚደንት ወሲኻ፡ ስፖርተኛታት ከቢድ ህይወት ከም ዘሕልፉ ብምግላጽ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ብዛዕባ እቲ እቶም ስፖርተኛታት ጡረታ ድሕሪ ምውጽኦም ዘሎ ዓመታት ክሓስቡ ከም ዝግባእ ተዛሪባ። ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኸውን ሓቢራ።

ገለ ሰባት ንርእይቶ እታ ፕረዚደንት ይነቕፉ ኣለው። ማርያ ጸሃይ ዝተባሃለት ውልቀሰብ ብትዊተር ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "እታ ቀዳመይቲ ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እተን ንዝተፈላለየ ብድሆታት ሰጊረን ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እትብሎ እምበኣር እዚ እዩ" ኢላ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሃሪ ምዋላ ዝተባሃለ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢ ብወገኑ "እቲ [እታ ፕረዚደንት] ዝበለቶ ሓቂ ኣይኮነን!! ብዛዕባ እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጸፊሕ ኣፍልበን ጽባቐ ከምዘይብሉን ናይ መርዓ ዕድላተን ጸቢብ ምዃኑን ዝተዛረበቶ ብዝኾነ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዝተደገፈ ኣይኮነን!! ተጋግያ ጥራሕ ዘይኮነ ሓሶት እያ ተዛሪባ" ኢሉ።