ኣፍጋኒስታን፡ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ቕኑዕ ውሳነ ምዃኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሓይልታት ጣሊባን ንካቡል ምቁጽጻሮም ስዒቡ ሓያል ነቐፌታ ዝበጽሖ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ንክወጽኡ ዝተበጽሐ ውሳነ ቕኑዕ ከምዝኾነ ኣትሪሩ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ምውጸኦም ንዝነቕፉ ሰባት ምላሽ እንትህብ፡ “ክንደይ ህይወት ኣመሪካውያን ክንስእን ነይሩና ?” ኢሉ ይሓትት።

ባይደን፡ ከይዲ ምስሓብ ናይቶም ወተሃደራት ‘ምርዕርዕ’ ዝበለ ምንባሩ እንተኣመነ’ኳ፡ “ኣፍጋኒስታን ለቒቕካ ንምውጻእ፡ ካብዚ ሕዚ እዋን ዝሓሸ ካልእ ግዜ ክመጽእ ኣይክእልን” ብምባል ኣብ ውሳንኡ ጸኒዑ።

ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንካቡል እንትቆጻጸሩን ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ናብ ካልእ ሃገር እንትሃድምን፡ ቃልሶም ብዓወት ከምዝዛዛሙ ኣዊጆም።

ናታቶም ዓወት፡ እቲ ንዒስራ ዓመት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካን መሻርኽታን መወዳእትኡ ዘርኢ እዩ።

ጣሊባን ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመርዎ ሓያል መጥቃዕቲ ሰፋሕቲ ግዝኣታት እናተቖጻጸሩ ዝመጽኡ ኾይኖም፤ እቲ ንተዓዘብቲ ዘስደመመ ግስኣጋሰኦም፡ ኣብ መወዳእታ ካቡል ብምሓዝ እዩ ተዛዚሙ።

ባይደን እዚ ርእይቶ ዝሃበ፡ ጣሊባን ንካቡል ምስተቖጻጸሩ ዜጋታት ኣመሪካን ካልኦት ወጻእተኛታትን፡ ካብታ ከተማ ንክወጽኡ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ክጸቓቐጡ ኣብ ዝተርአይሉ ጽባሕ እዩ።

ገሊኦም፡ ኣብታ ነፋሪት ተንጣሊጢሎም ክኸዱን ክወድቁን ተራእዮም እዮም፤ ክልተ ድማ እታ ነፋሪት እንትብገስ ከምዝተጎድኡ ይዝርብ።

ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ካብቶም ሕጊ ጥሒሶም ብሓጹር ዘሊሎም ዝኣትዉ ዝነበሩ ዕስለ መንጎ ፡ ክልተ ዕጡቓት ከምዝቐተሉ ተጸብጺቡ።

ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ስዒቡ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብታ ናብ ቓጣር ተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት ኣመሪካ፡ 640 ሰባት ተጸቓቒጦም ከምዝኣተዉ ሓደ [ቢቢሲ ዘይረጋገጾ] ስእሊ የርኢ።

እታ ነፋሪት ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ሰባት ከምዝሓዘት ዝተዓዘበ ኣብረሪ፡ ሰባት ንምንካይ ግዜ ካብ ምውሳድ ዝሓዘ ሒዙ ምብጋስ እዩ መሪጹ ተባሂሉ።

ርግጽ፡ ሓይልታት ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ወጻእተኛታትን ምሕረት ከምዝገበሩን ብዘይ ስግኣት ናብ ስረሖም ክምለሱን ኣዊጆም እዮም።

ዘየማትእ ውሳነ’

ጆ ባይደን፡ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ንፈለማ እዋን ዕላዊ መብርሒ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ፡ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጥረ ክስተት ዘርእየና ነገር እንተሎ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት ኣመሪካ ምቑራጽ ልክዕ ምንባሩ ጥራይ እዩ” ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ “ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ባዕሎም ክዋግእዎ ዘይደልዩዎ ኲናት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ክዋግኡን ክሞቱሉን ምሕሳብ ልክዕ ኣይኮነን” ኢሉ።

ባይይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብቲ ከባቢ ክሳብ ወርሒ መስከረም ወዲኦም ክወጽኡ ዝምልከት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምውሳኑ ስዒቡ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተራእየ ‘ገልታዕታዕ’ ምኽንያት ነቐፌታት ኣብጺሕሉ እዩ።

ካብ ሪፐብሊካን ሴናተር ሚች ማኮኔል፡ “ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝረአናዮ ኩናታት፡ ብኣግባቡ ዘይተትሐዘ ሓደጋ እዩ፤ ንመጻኢ ድማ ንክብርን ታሪኽን ኣመሪካ ዝትንክፍ እዩ” ኢሉ።

ቅድሚ ዒስራ ዓመታት፡ ኣመሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን ክትወርር ዝኣዘዘ ናይቲ እዋን ፕረዚደንት፡ ቡሽ ድማ፡ “እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተፈጥረ ኩነታት ብኸቦድ ሐዛን ተመሊኡ” ከምዝረእዮ ተዛሩቡ።

ባይደን ግን፡ ዋላ ኣብቲ ፕረዚደንት ኦባማ ብዙሓት ተወሰኽቲ ወተሃደራት ዝለኣኸሉ እዋን፡ ምክትል ፕረዚደንት ኾይኑ፡ ነቲ ውሳነ ከምዝተቓወመ እዩ ዝገልጽ።

ከምኡ ድማ፡ ብፕረዚደንት ትራምፕ ካብታ ሃገር ጠቕሊልካ ንምውጻእ ምስ ጣሊባን ዝተገብረ ስምምዕ ውርሻ ከምዝነበሮ ይዛረብ።

ንሱ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ራብዓይ ፕረዚደንት ኣመሪካ እንትኸውን፡ “እዚ ጸገም ናብ ሓምሻይ ፕረዚደንት ክሓልፍ ኣይደለኹዎን፤ ሓላፍነት ዝተመልኦ ውሳነ እየ ወሲነ” ኢሉ።

“ኣብ ኣፍጋኒስታን ንንእሽቶ እዋን ምጽናሕ ዓቢይ ለውጢ ከምጽእ እዩ ኢለ ንህዝቢ ኣመሪካ ከጋግዮ ኣይደልን” እውን ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና፡ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ክመርሕዎ እዮም ዝብል ዘይሕሰብ እዩ ኢሉ ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።