ኣብ ሃይቲ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣስታት 1300 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብቀዳም ኣብ ሃይቲ፡ ብዘጋጠመ 7.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 1297 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካሪብያን ዝተሰመዐ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝያዳ ንሃይቲ ሃስዩ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብፍርስራስ ዝተጸቐጡ ሰባት ንምውጻእ ኣብ ምርብራብ ይርከቡ።
ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃት ምድሪ፡ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ክርስተያንን ኣብያተ ትምህርትን ዓንዩ ኣሎ፡ ሆስፒታላት እታ ሃገር ከኣ ብህሩማት ኣዕለቕሊቐን ይርከባ።
ቁጽሮም ዘይተገለጸ ሰባት ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን፡ ኣስታት 5700 ሰባት ኸኣ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ሰብ መዚ እታ ሃገር ንማዕከናት ዜና ገሊጾም።
እታ ቅድሚ ኣዋርሕ ፕረዚደንታ ኣብ መንበሪ ግዝኡ ተቐንጺልዋ ኣብ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው እትርከብ ሃይቲ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ'ውን ካልእ ቅልውላው ሓዚሉ መጺእዋ ኣሎ።
ደቡባዊ ምዕራብ ሃይቲ እቲ ዝያዳ ተሃስዩ ዘሎ ክፋል እታ ሃገር ኮይኑ፡ ብፍላይ ከተማ ለስ ካየስ ከቢድ ዕንወት ትሕተ ቅርጺ ኣጓኒፍዋ'ሎ።
ኣብ ከተማ ለስ ቻየድ ላዕለዋይ ሓላፊ 'ኣንግሊካን ቸርች' ንኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ጎደናታት እዛ ከተማ ብኣውያት ናይ ሰባት እዩ ተጎቢኡ ዘሎ፡ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ንዝጠፍኡ ግዳያት ንምንዳይ ላዕልን ታሕትን'ዮም ዝብሉ ዘለዉ" ኢሉ።
ማእከል እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ከተማ ሰይንት ልዊስ ዱ ሱድ 12 ኪሎ ሜተር ርሑቑ ከምዝርከብ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ስነ ምድሪ ይሕብር።
እንተኾነ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብታ ካብቲ ማእከል ኣስታት 125 ኩሎሜተር ርሒቃ እትርከብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ'ዩ ተሰሚዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣርያል ሄንሪ ንሓደ ወርሒ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ ህዝቢ ንሓድሕዱ ክደጋገፍ ጸዊዑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሃገሩ ብመንገዲ ዩኤስአይድ ዝክኣላ ከምእትሕግዝ ገሊጹ ኣሎ፡ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ።
መዳውብቲ ሃይቲ ዝኾነት ዶሞኒካን ሪፓብሊክ ብወገና መግብን ሕክምናዊ ንዋትን ናብታ ሃገር ሰዲዳ ኣላ፡ ኩባ'ውን 250 ዶኳትር ናብ ሃይቱ ሰዲዳ ኣላ።
ኣብ ሃይቲ ኣብ 2010 ብዘጋጠማ ተመሳሳሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ኣብታ ሃገር ሰፍ ዘይብል ምዕናው ትሕተ ቅርጽታታት ከምዘስዓበን ዝዝከር እዩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
