ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ ዩኒቨርሲቲታት ልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ከምዝተመለሱ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Mekelle University facebook page
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ትምህርቶም ዝከታተሉ ዝነበሩ 10 ሽሕን 164 ተምሃሮ ክሳብ ኮምቦልቻን ኣዲስ ኣበባን ከምዘጓዓዓዘ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትካልት ትምህርትን ኣፍሊጡ፡፡
ብሚኒስተር ሳይንስን ላዕለዎት ትካልት ትምህርትን ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ተጻሒፉ ኣብ ዕላዊ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ትካል ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቶም ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱም፣ መቐለን ራያን ተመዲቦም ዝመሃሩ ዝነበሩ እዮም፡፡
ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክረምታዊ ናይ ዕረፍቲ እዋን እኳ እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ እቶም ተምሃሮ ናብ ዝመጹሉ ከባቢ ንምምላስ ተጸጊሞም ጸኒሖም እዮም፡፡
ብኣቆጻጽራ ግእዝ ክሳብ 6 ነሓስ 2013 ኣብ ዘለዉ ሰለስተ ሰሙናት ካብ ዓዲ ግራት 2,355፣ ኣኽሱም 2,992፣ መቐለ 3,668 ካብ ራያ 1,149 ተምሃሮ ብሓፈሻ 10,164 ተምሃሮ ብወገን ሰመራ ምጉዕዓዝ ከምዝተኽኣለ ተገሊጹ፡፡
እቶም ተማሃሮ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ካብ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ሓደ ወርሒ ስለዝባኸነ ተወሳኺ ናይ ዕረፍቲ ግዘ ከምዝወሃቦም ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱምን መቐለን ክምረቑ ዝግብኦምን ዘይተወደአ ናይ ትምህርቲ መደብ ዘለዎምን ተምሃሮ ዝምልከት ድማ እቲ ሚኒስትሪ ኣንፈት ከምዘቐምጥ ኣፍሊጡ፡፡
እቶም ተምሃሮ ትምህርቶም ዝውድኡሉን ዝምረቑሉን ኩነታት ከምዝመቻቸ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ክረምታዊ መደብ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ትግራይ ናብ ዘለዋ ዩኒቨርሲቲታት ከይዶም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ብምኽንያት ጸገም ጸጥታ ክጓዓዙ ከምዘይከኣሉ ተገሊጹ፡፡
ነዚኦም እውን እቲ ሚኒስትሪ ብዘቐምጦ ኣንፈት ትምህርቶም ዝከታተሉሉ ዕድል ከምዝህሉን ብትዕግስቲ ክጽበዩን መልእኽቲ ተሓላሊፉ፡፡










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
