እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዕሊ 2 ሽሕ ኪ/ሜ ዝተጉዓዘት መንካዕ ብድሙ ተነኺሳ ሞይታ
ካብ ለንደን ናብ ሩስያ 2,018 ኪሎ ሜትሮ ብምጉዓዝ፡ ዝነውሐ ርሕቐት ዝነፈረት መንካዕ ንሰባት ኣገሪማ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ መንካዕ ብድሙ ምስተነኽሰት ከምዝሞተት ተገሊጹ።
እታ ኣነስተይቲ መንካዕ፡ መጠና ክንዲ ዓባይ ኣጻብዕቲ ኢድ ወድ ሰብ እትኸውን ኮይና፡ ኣብ ሩስያ ፒስኮቭ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት እያ ተረኺባ።
‘ለንደን መካነ እንስሳት’ ዝብል ምልክት ዘለዋ እዛ መንካዕ፡ ሓደ ጉጅለ ዕቀባ እንስሳት ካብታ ድሙ ከናግፋ’ኳ እንተፈተነ፡ ብህይወት ክትቅኒ ኣይከኣለትን።
እታ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንኣህጉር ኣውሮፓ ኣቋሪጻ፡ ኣብ ሩስያ ዝበጽሐት መንካዕ፡ ዝረሓቐ ጉዕዞ ዝነፈረት ተባሂላ ተመዝጊባ።
እታ ዒፍ፡ 8 ግራም እትምዘን ኮይና፡ ሞልጊና ኣብ ዝተብሃለት ንእሽቶ ቁሸት ሓደ ሩስያዊ ነባሪ ምስረኸባ ንዕቀባ እንስሳት ሩስያ ኣረኪብዋ ተባሂሉ። እቲ ትካል ድማ፡ ነቲ ዝመጸኣትሉ መካነ-እንስሳት እንግሊዝ ሓቢሮምሉ።
ናይቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኣገልግሎት ዕቀባ መንካዕ ሓላፊ ሓላፊት ሊዛ ዎርልግ፡ “እዚ ኣዝዩ ዘስደምም ጉዕዞ እዩ። ኣብ ዓዲ እንግሎዝ ከምዚ ዓይነት ርሕቐት ዝተጉዓዘት መንካዕ የላን፤ እዚኣ ቅልጥፍቲ ጎያዪት እያ” ኢላታ።
“እዚ ድማ፡ ንሳይንሳዊ መጽናዕቲ ካልእ በሪ ዝኸፍት እዩ፤ ብዛዕባ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ዝኾነ ምፍላስ መንካዕ ድማ ኣዝዩ ጠቓሚ ኣፋፍኖት ዝህብ እዩ። ምኽንያቱ ፍልሰትን ምንቅስቓስን መንካዓት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኮነ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣውሮጳ ሚስጢራዊ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ” ክትብል ኣብሪሃ።
ብርያን ብሪጅስ ዝተብሃለ ዒፍ መንካዕ ዝምዝግብ ተመራማሪ፡ ኣብ 2016 ኣብ ለንደን ምስረኸባ መዝጊቡ ኣብ መንፈራ ምልክት ገይሩላ።
ብሪግስ፡ “እዚ ኣዝዩ ዘስድምም ነገር እዩ፤ ነዘን ከምዚ ዓይነት ዝተፈለየ ፍጥረት ዘለዎን እንስሳት ኣብ ምዕቃብ ኣዝዩ ዕዙዝ ዝኾነ ኣስተዋጸኦ ዝገብር ተርእዮ እዩ፤ ብዛዕባ ህይወተን’ውን ንምፍላጥ ጠቓሚ እዩ” ኢሉ።
ቅድሚ ሕዚ ካብ ተመሳሰሊ ዓሌት እንስሳ ዝኾነት፡ ላትቪያ ናብ ስፐይን፡ 2,224 ኪሎሜትሮ ብምጉዓዝ ዝነውሐ ርሕቐት ብምንፋር ትፍለጥ።
ፍልሰት ናይዘን ፍልይ ዝበለ ጽጥረት ዘለዎን ዓሌት እንስሳት፡ ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይዛረቡ። እቲ ለውጢ ኩነታት ኣየር፡ ኣብ መጻኢ ንሃለዋተን ኣዝዩ ክጸልዎ ከምዝኽእል ኣሚቶም።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነዘን እንሳሳት ንምዕቃብ ኣብ 2014 መካነ-እንሳሰት ዘተጣየሰ ኾይኑ፡ ኣብ ምርባሕ፣ ዝርገሐን ፍልሰትን ዘጽንዕ ፕሮጀክት እዩ።
ኣብ ኬንት፣ ኖርዝ ኣምበርላንድ፣ ሱሪን ግሬተር ላነደንን ብብዝሒ እዘን ዓሌት እንስሳት ከምዝርከባ ይዝረብ።