ቻይና ኣብ ልዕሊ ሰብመዝን ትካላትን ኣሜሪካ ማዕቀብ ኣንቢራ

ጸሓፊ ክፍሊ ንግዲ ኣሜሪካ ነበር፡ ዊልበር ሮስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቻይና፡ ሓደ ማዕቀብ ካብ ዘንበረትሎም ሰብ ስልጣን ኣሜሪካ ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ንግዲ ኣሜሪካ ነበር፡ ዊልበር ሮስ ይርከቦም
Published

ቻይና ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰብ ስልጣንን ትካላትን ኣሜሪካ ማዕቀብ እናንበረት ትርከብ፤ ቻይና፡ ሓደ ማዕቀብ ካብ ዘንበረትሎም ሰብ ስልጣን ኣሜሪካ ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ንግዲ ኣሜሪካ ነበር፡ ዊልበር ሮስ ይርከቦም።

ቻይና እትወስዶ ዘላ እዚ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ሆንግኮንግ ዘንበረቶ እገዳ፡ ግብረመልሲ እዩ ተባሂሉ።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ቻይና እገዳ ዘንበረት፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ንዝወስድዎ ስጉምቲ ኢድ ኣለዎም ካብ ዝብል ተበጊሳ እያ።

ኣብ ውሽጢ ከተማ ሆንግ ኮንግ ዝነብሩ ነጋዶ ኣሜሪካውያን ኣብታ ግዝኣት ድሕነት ስግኣት ከምዘለዎም እውን ተነጊርዎም።

ቻይና፡ ኣብ ከተማ ሆንግ ሕጊ ሃገራዊ ድሕንነት ዘውፀአት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ነይሩ።

ኣብታ ግዝኣት፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ዘልዕሉ ተቓውሞታት ምስ በዝሑ እዩ እዚ ሕጊ ክፀድቕ ዝተገብረ።

እዚ ተሪር ሕጊ፡ ምስ ወፃኢ ሃገራት ምምሽጣርን ሕቶ ምንፃል'ታ ግዝኣት ምልዓልን ከም ገበን ዝብይን እዩ።

በዚ ገበናት ዝተኸሰሱ ዜጋታት፡ ክሳብ ዕድመ-ሙሉእ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ይኽእሉ እዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ከምዝበሎ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሆንግ ኮንግ ዘንበረቶ እገዳ ንግዳዊ ንጥፈታት እታ ከተማ ንምዝሕሓል ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ቻይና ግና፡ እቲ እገዳ መትከላት ዓለማዊ ርክባት ዝጠሓሰ እያ ትብሎ።

ኣብ እዋን ምሕደራ ትራምፕ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ፕረዝደንት ኮይኑ፡ ፀሓፊ ክፍሊ ንግዲ ዝነበረ፡ ዊልበር ሮስ፤ ሁዋውን ዜድቲኢን ብዘይፍቓድ መንግስቲ ምስ ኩባንያታት ኣመሪካ ዕዳጋ ከይገብሩ ዝኽልክል መምርሒ ኣውፂኡ ነይሩ።

ቻይና ካልእ እገዳ ዘንበረትሉ ኣሜሪካዊ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዳይሬክተር ሂውማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ቻይና፡ሶፊ ሪቻርድሰን እዩ።

ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ኮሚሽን ድሕነት ቁጠባን ሃብትን ኣሜሪካ፡ ካሮሊን ባርቶሎሜውን፤ ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል መሪሕነት ሪፐብሊካን ኣዳም ኪንግ፡ እገዳ ካብ ዝተነብረሎም ገለ እዮም።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ጄን ፕሳኪ፡ 'ኣሜሪካ ብእገዳታት ቻይና ኣይትስኮንን' ኢላ።

ንሳ ወሲኻ፡ "እዞም ማዕቀባት፡ ቻይና ትካላትን ማሕበራትን ብምቕፃዕ ፖለቲካዊ ከስቢ ንምትራፍ ከምእትፍን መርአያ እዮም" ዝብል ምላሽ ሂባ።

ኣብ እዋን ምሕደራ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ርክባት ኣሜሪካን ቻይናን ካብ ኣብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ኣዝዩ ሓርፊፉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ኣበጋግሳ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ከምኡ'ውን ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ካብቶም ንክልቲኣን ሃገራት ዘካትዑ ዛዕባታት እቶም ውሑዳት እዮም።

ኣብዚ ሰሙን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ፡ ዌንዲ ሸርማን፡ እቲ ሓርፊፉ ዘሎ ርክብ እተን ሃገራት ንምፍኳስ ናብ ቻይና ምብፃሕ ከካይድ ትፅቢት ይግበረሉ።

ጆ ባይደን ፕረዝደንት ካብ ዝኸውን ጀሚሩ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ ናብ ቻይና መገሻ ክገብር ንፈለማ እዋን እዩ ክኸውን።

ቻይና፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነበር፡ ማይክ ፖምፔዮ ዝርከቦም ኣብ ልዕሊ 27 ኣባላት ኣመራርሓ ሰበ ስልጣን ዘበነ ትራምፕ፡ ማዕቀብ ኣንቢራ ምናባራ ዝዝከር እዩ።

ምምሕዳር ባይደን፡ ነዚ ናይ መንግስቲ ቻይና ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ "ፍረ ኣልቦን ፅልሙትነተን" ክብል ኣናኢስዎ።