ሓደጋ ውሕጅ ቻይና ሞትን ምፍንቓል ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣኸቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቻይና ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ዘኸተሎ ሓደገኛ ውሕጅ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ቦታ ናብ ካልእ ክግዕዙ ከምዝተገደዱን፤ መደበራት ባቡርን መገዲታትን ከኣ ብማይ ኣዕለቕሊቖም ኣለው።
ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ሄናን ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት ጥራይ ልዕሊ 10,000 ነበርቲ ኣብ ካልእ ቦታ ናብ ዝተዳለወ ግዚያዊ መጽለሊ ግዒዞም።
ብሰንኪ እቲ ውሕጅ ኣብ ከተማ ሼንግዙ ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ኣረጋጊጾም።
ብዙሓት ከተማታት ከኣ ጽርግያታተን ክዓጽዋን በረራታት ክስርዛን ከም ዝተገደዳ ተፈሊጡ።
ኣስታት 94 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ግዝኣት ሄናን ነቲ ዘይልሙድ መጠን ማይ ዝተረኣየሉ እዋን ዝናብ ብምስጋእ ዝለዓለ መጠንቀቕታ ሂባ ነይራ።
ነቲ ሓደጋ ውሕጅ ዘኸተሉ ብዙሓት ምኽንያታት ክህልዉ’ኳ እንተኽኣሉ፤ ብዝያዳ እቲ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ንመሬት ዝሸፈነ ቀጸላታት ጋዝ ዝሰዓበ ማህሰይቲ፡ መንቀሊ ከቢድ ዝናብ ከም ዝኾነ ይእመን።
በቲ ሓያል ውሕጅ ጽርግያታት ብማይ ኣዕለቕሊቖም፣ መኻይንን ህንጻታትን ብማይ ተመሊኦም ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣጋጢሙ ብዝነበረ ዝናብን ሓያል ንፋስን ጉድኣት ዝበጽሖ ኣብ ግዝኣት ሄናን ዝርከብ ግድብ ከኣ በዚ ውሕጅ ከይዓኑ ተሰጊኡ’ሎ።
ናብቲ ከባቢ ወተሃደራት ተዋፊሮም ከምዘለውን፤ ካብ ሰራዊት ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ከኣ እቲ ግድብ “ኣብ ዝኾነ እዋን ክፈርስ ከም ዝኽእል” ኣመልኪቱ።
ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ነቶም ብማይ ዝተኸበቡ ሰባት ገመድ እናተጠቐሙ ከውጽእዎም ከለዉ፤ ካልኦት ከኣ ካብቲ ማይ ንነብሶም ከድሕኑ ኣብ ዝባን መናብር ባቡር ደው ኢሎም ይረኣዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብኣማኢት ሰባት ካብቲ ቦታ ምውጽእ ከም ዝተኽኣለ’ኳ እንተተገለጸ ኣብኡ ተቐርቂሮም ዝተረፉ ሰባት ዘይምእላዎም ግን ኣይተረጋገጸን።
ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ወይቦ መልእኽቲ ዝጸሓፈ ዢያኦፒ ዝብል ስም ዘለዎ ውልቀሰብ ሓገዝ ክግበረሉ ጸዊዑ።
“እቲ ማይ ኣብ ከባቢ ኣፍ ልበይ በጺሑ’ሎ። ካብዚ ንላዕሊ ምዝራብ ኣይከኣልኩን” ክብል ካብ ሓደ ክፍሊ ባቡር መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ከም ዝሓበርዎ ድማ ነቲ ውልቀሰብ ብህይወት ምትራፍ ተኻኢሉ’ሎ።
ወዲ 56 ዓመት ዋንግ “ምሉእ ህይወተይ ኣብ ዠየንግዙ ተቐሚጠ ኣለኹ፤ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝበለ ዝናብ ግን ሪኤ ኣይፈልጥን” ክብሉ ንኣሶሺየትድ ፕረስ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ከባቢ ዝወቅዕ ሓያል ዝናብ እንተወሓደ ንዝቕጽሉ 24 ሰዓታት ከም ዝጸንሕ ትንበያታት ሜትሮሎጂ የመልክቱ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
