ቻይናዊ ቢልየነር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ን18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቻይና፡ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበሩ ኣትሪሩ ዝጣበቕን ዝዛረብን ቢልየነር ን18 ዓመታት ተፈሪዱ።
እዚ ሳን ዳዉ ዝበሃል ፍሉጥ በዓል ሃፍቲ ኣብታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ኩባንያ ሕርሻ ዝውንን እዩ ተባሂሉ።
ወዲ 67 ዓመት ሳን ኣብ ቀረባ እዋናት ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ገለ ዘይትንከፉ ዝበሃሉ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ኣልዒሉ ኣብ ኣደባባይ ብግልጺ ክዛረብን ክነቅፍን እዩ ዝፍለጥ።
በዚ ምኽንያት ድማ ከም ልሙድ ንተቓወምትን ነጠፍትን ጸጥ መበሊ ዝውዕል "ናዕብን ዕግርግርን ብምልዕዓል" ዝብል ክሲ ተመስሪትዎ እዩ ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ ተፈሪድዎ ዘሎ።
ካልኦት ክስታት ድማ ብዘይሕጋዊ ውራ መሬት፣ ንመንግስታዊ ትካላት ከዕንው ሰባት ምውዳብ፣ ከምኡ'ውን መንግስታዊ ሰራሕተኛታት ስርሖም ብኣግባቡ ከይፍጽሙ ምዕንቃፍ ዝብልን ይርከቡዎ።
ካብ ማእሰርቲ ብተወሳኺ እቲ ቢልዮነር 3.11 ሚልዮን ዶላር ያን ($478,697 ናይ ኣመሪካ ዶላር) ተቐጺዑ እዩ።
በቲ በዓል ሃፍቲ ዝውነን እዚ ናይ ሕርሻ ኩባንያ፡ ኣብታ ሃገር ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ገዘፍቲ ናይ ውልቀ ኩባንያታት ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ስጋ ምፍራይን ናይ ቤት ትምህርትን ሆስፒታላትን መግቢ ብምቕራብን እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መሬት ብዝተኣሳሰር ብዝተልዓለ ክትዕ ምስ ካልኦት 20 ኣዝማዱን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ነይሩ እዩ።
ኤኤፍፒ ከም ዝበሎ፡ ኣብቲ እዋን ሰራሕተኛታቱ ብፖሊስ ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ተዛሪቡ ነይሩ።
ሳን ምስ ገለ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተቓወምቲ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕመ ኮይኑ፡ መንግስቲ ቻይና ብፍላይ ኣብ ሕርሻ ዝኽተሎ ፖሊሲ ብምንቃፍ እዩ ኣዝዩ ዝፍለጥ።
ኣብ 2019፡ ንኢንዱስትሪ እታ ሃገር ዝጸለወ 'ኣፍሪቃን ሰዋይን ፍሉ' እናተባህለ ዝጽዋዕ ሕማም ሓቢኡ ኢሉ'ውን ንመንግስቲ ነቒፉ ነይሩ።
ኣብ 2003 ድማ፡ 'ዘይሕጋዊ ምወላ ገይርካ' ብዝብል ተኣሲሩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ሓያሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ኣስዓበ ክፍታሕ ክኢሉ።
ሳን ግን ነቶም ዝቐርብዎ ክስታት ኣይቕበሎምን፤ ንርእሱ ድማ ደጋፊ እቲ መሪሕ 'ኮምኒስት ፓርቲ' ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።
እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝለቐቖም ገለ ኣሳእል ብዝምልከት ጌጋ ምስርሑ ኣሚኑ እዩ።
"ኣነ ንባዕለነይ ሓላፍነት ክወስድ እኽእል እየ፤ እንተኾነ እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ መርመራ ነቶም ኣብ ጥቓይ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ክሳቐዩ ዝግበርን ዝጸልኡና ድማ ዘሕጉስን እዩ። ንሕና ነዚ ማሕበረሰብ ኣስተዋጸኦ ዝገበርና ሰባት ኢና" ድማ ኢሉ።
ቻይና ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ [ኣብ ከም ዓሊባባ፣ ዲዲን ቴንሰንትን] ምርመራታት እናካየድት ትርከብ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
