እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝዝረብ ግጉይ ሓበሬታ ሰባት ይቐትል ኣሎ” ጆ ባይደን
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርቡ ንኮቪድ ዝምልከቱ ዝተጋገዩ ሓበሬታ “ሰባት ይቐትሉ ኣለው” ክብል ኣጠንቂቑ።
ንሱ፡ ንክታበትን ለበዳ ኮሮናን ብዝምልከት ኣብ “ከም ፌስቡክ መድረኻት” ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸብታት ምስ ዝላብዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብዝተሓሓዝ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ መብርሂ ክህብ ከሎ’ዩ ነዚ ዝበለ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ስኑዓት ወይ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣብ ምቅላስ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከዛይዱ ድፍኢት ክገብረሎም ምጽንሑ ይፍለጥ።
ፌስቡክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጥዕና ማሕበረሰብ ንምውሓስ “ኣዝዩ ተሪር ስጉምቲ” ይወስድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ትማሊ ዓርቢ ንሕቶ እቲ ጋዜጠኛ ክምልስ ከሎ “ሰባት ይቐትሉ ኣለዉ” ዝበለ ባይደን፡ እቲ ለበዳ ኣብ ሞንጎ እቶም ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት ይላባዕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሰበስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ብወገኖም እቲ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝውስኽ ዘሎ ሞትን መልከፍትን ብስፍሓት ኣብቶም ዘይተኸተቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝኾነ ኣጠንቂቖም።
ወሃቢ ቓል ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ጄን ፕሳኪ ትማሊ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፤ ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዛዕባ እቲ ክታበት ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታ ብእኹል ኣይተቓለሱን ኢላ።
“ዝወሰድዎም ስጉምቲታት ከምዘለዉ ዝፍልጥ’ዩ” ዝበለት እታ ወሃቢት ቃል፡ “ክውሰዱ ዘለዎም ተወሰኽቲ ነገራት ከምዘለዉ ከኣ ንጹር’ዩ” ክትብል ሓቢራ።
ወሃቢ ቓል ፌስቡክ ኬቪን ማክኣሊስተር ነዚ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኩባንይኦም “ብሓቂታት ከይተደገፉ ብዝቐርቡ ክስታት ከምዘይደናገር” ገሊጹ።
“ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 18 ሚልዮን ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣወጊድና ኢና። ንሕግታት ብተደጋጋሚ ዝጠሓሱ ኣካውንታት’ውን ዓጺና” ኢሉ።
ፌስቡክ ብዙሓት ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ዝተጋገየ መልእኽቲ ዘሕልፉ ሓበሬታታት ካብ መድረኹ ስለዘይኣለዮም ብስፍሓት ይርከቡ ብዝብል ይንቀፍ።
ኣብ ኣሜሪካ ዛጊድ 67 ሚኢታዊት ኣባጽሕ ንቐዳማይ ዙር ክታበት ክወስዱ ከለዉ፡ 59.2 ድማ ክልቲኡ ማለት ምሉእ ክታበት ዝተኸተቡ’ዮም።
እንተኾነ ብዙሓት ሰባት ነቲ ክታባት ክኣምንዎ ብዘይምኽኣሎም ክሳብ ሎሚ ኣይወሰዱን።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ፌስቡክ፣ ዩ-ቱዩብ፣ ኢንስታግራምን ትዊተርን ዝበሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጥቀሙ ነጠፍቲ፡ “ናብ ልዕሊ 59 ሚልዮን ሰዓብቶም ዝበጽሐ ጸረ ክታበታት ዝኾኑ መልእኽትታት ዘርጊሖም” ይብል፡ ሓደ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ።
ኣብቲ ወርሒ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝቐረቡ ዋና ኣፈጸምቲ ስራሕ ኩባንያታት ፌስቡክ፣ጉግልን ትዊተርን ዝኾኑ ማርክ ዙከርበርግ፣ ሳንዳር ፒቺያን ጃክ ዶርሰይን፡ ብዛዕባ ዝርግሐ ስኑዕ ወይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መብርሂ ክህቡ ተሓቲቶም ነይሮም።
ጃክ ዶርሰይ ንሴናተራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ትዊተር ዝጥቅዑ ትሕዝቶታት ኣብ ምክትታልን ምምእኻልን ብተገዳስነት ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ዳንድራ ፒቺያ ከኣ ዩ-ቱዩብ ዘደናግሩ ትሕዝቶታት ንምእላይ ከምዝሰርሐ ብምሕባር፡ ብዛዕባ እቲ ክታበት ሓበሬታ ክበጽሕ ኣብ ምግባር ዘለዎ እጃም ኣብሪሁ።