ሰራዊት ምክልኻል ናይጄሪያ ነፋሪት ውግእ 'ብሸፋቱ ተሃሪማ ወዲቓ' ኢሉ

ነፋሪት ውግእ

ምንጪ ስእሊ, NAF

Published

ሸፋቱ ናይጄሪያ ብሰንበት ኣብታ ሃገር ብዘይተለመደ ነፋሪት ውግእ ሃሪሞም ከም ዘውደቑ ተገሊጹ።

ኣብራሪ እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ጭውያ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ ደብዳብ ወዲኡ ነይሩ ክብል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብራሪ ሌተናል ኣባዮሚ ዳሪዮ ከይማረኽ ዓርሱ ናይ ምድሓን ስጉምቲ ብምውሳድ ከምልጥ ምኽኣሉ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዶብ ግዝኣታት ሰሜናዊ ዛምፋራን ካዱናን'ዩ ተፈጺሙ።

"ባንዲት" ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ኣብ ቀረባ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ናይጄሪያ ንዘጋጥም ዘሎ ጭውያ ይኽሰሱ።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተምሃሮን ህጻናትን ዒለማ ጭውያ ክኾኑ እንከለው፡ መብዛሕትኦም ነቶም ጨወይቲ ገንዘብ ብምኽፋል ክፍትሑ ክኢሎም፤ ገሊኦም ግን ተቐቲሎም።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ፕሬዝደንት መሓሙዱ ቡሃሪ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ክውሰድ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገሩ መምርሒ ምሃቡ ይዝከር።

ሓይሊ ኣየር ናይጄሪያ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብምትሕብባር ቀትርን ለይትን ነዞም ሸፋቱ ንምጽራግ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል።

እቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ሓደ ካብቶም ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት ኮይኑ "ተኸታታሊ ስርሒት ደብዳብ ነፈርቲ ብምውሳድ ኣማኢት ሸፋቱ ክጽረጉን ተሓቢኦምሉ ኣብ ዝነበረ ክጠፍኡን ክኢሎም" ክብል መግለጺ እቲ ሓይሊ ኣየር ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ብርክት ዝበላ ነፈርቲ ውግእ ተሃሪመን እኳ እንተወደቓ እዚ ግን ብዕጡቓት ዝተፈጸመ ተባሂሉ ክንገር ፈላማይ'ዩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ሌፍተናል ጀነራል ኢብራሂም ኣታሂሩ ምስ ካልኦት ዓሰርተ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብሓደጋ ነፋሪት ምሟቱ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ድማ ካልእ ነፋሪት ኣብ ዞባ ቦርኖ ተሓምሺሻ። እዚ ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ቦኮሓራም ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት እዩ።

እዛ ነፋሪት ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ከም ዝተሃረመት'ኳ እንተተገለጸ ሰራዊት ምክልኻል ግን ነጺግዎ ነይሩ።

ቅድሚኡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተጨወዩ ተምሃሮ ክትእልሽ ካብ ኣቡጃ ናብ ግዝኣት ኒጀር ዝተበገሰት ነፋሪት ሰራዊት ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ናይጄሪያ፡ ብ496 ሚሊየን ዶላር ዝዓደገተን ኢ-29 ሱፐር ቱካኖ ዝተባህላ 12 ነፈርቲ ውግእ ካብ ኣመሪካ ዝዓደገት ኮይና እተን ሽዱሽተ ኣብዚ ወርሒ ክትርከበን'ያ።