ሰልፊ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብልጽግና ኣብ መረጻ ኢትዮጵያ ብልዑል ድምጺ ተዓዊቱ

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ተደናጉዩ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ፡ ብገፊሕ ኣፈላላይ ከምዝተዓወተ ሃገራዊ መረጻ ትማሊ ቀዳም ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ከምዝበሎ፡ ውድብ ኣብዪ ኣሕመድ ካብቶም ቆጸራ ዝተኻየደሎም 425 ወንበራት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ 410 ብምዕዋት ንቐጻሊ ሓሙሽተ ዓመታት ክመርሕ ተመሪጹ።

ብሓፈሻ ኣብ 436 ናቑጣታት መረጻ እንተተኻየደ’ኳ፡ ኣብቶም ዝተረፉ ገና ቆጸራ ኣይተኻየደን ወይ ድማ፡ መረጻ ክድገም ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ፡ ኣብ ሓደ ሕምሲት [ሕምሸን] እታ ሃገር ብሰንኪ ጸጥታን ናይ ምጉዕዓዝ ጸገማትን መረጻ ኣይተኻየደን።

ኣብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላን ብኣማኢቲ ኣሸሓት ብጥሜት ዝጥፍሑላ ዘለዉን፡ ክልል ትግራይ ድማ፡ መረጻ ኣይተኻየደን።

ኣብቶም መረጻ ዘይተኻየደሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ን6 መስከረም [ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ካልኣይ ዙር መረጻ፡ መደብ ዝተትሓዘሎም ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ግን ዛጊድ መዓልቲ ኣይተቖረጸን፤ መዓስ ከምዝካየድ’ውን ኣይተፈልጠን።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ መረጻ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮከናቫይረስ ምንውሑ ዝዝከር እዩ።

ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ መረጻ ‘ታሪኻዊ መረጻ’ ክብል ገሊጽዎ። ብዚ መሰረት፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ሓድሽ መንግስቲ ክጣየስ ትጽቢት ይግበረሉ።

እንተኾነ እቲ መረጻ ዝተኻየደሉ ኣገባብ ገለ ሕቶታትን ስክፍታትን ተራእዩዎ እዩ።

ተቓወምቲ ውድባት፡ ነቲ መረጻ ከይዳለዉ ኣብ ልዕሊ መራሕቶም ማእሰርትን ምንክልባትን ከምዝተፈጸመ ይዛረቡ።

ኣቦ መንበር ኢዜማ ብርሃኑ ነጋ፡ ውድቡ ኣብ ብዙሓት ክልላት ተዓዘብቲ ኣብ ናቑጣታት መረጻ ከይርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኸልከሉ ነዚ ድማ ልዕሊ 200 ጥርዓናት ምቕራቡ ይዛረብ።

መንግስታዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ’ቲ ትካል ዝተዓዘቦም ናቑጣታት ጣብያ ‘ኣዝዮም ዝኸፍኡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይረእየ’ ተዓዚበ ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ኮሚሽን ኣብ’ቲ ናይ መጀመርታ ደረጃ ጸብጻቡ፡ ኣብ ገለ ክልላት መረጻ ኣብ ልዕሊ ተዓዘብቲ፤ ጋዜጠኛታትን ኣባለት ተቓውሞን ዘይግቡእ ማእሰርትን ምንክልባትን ከምዝነበረ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ድማ እቲ መረጻ ክካየድ ሒደት መዓልታት እንትተርፎ፡ ብዙሓት ከምዝተቐትሉ ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ እቲ መረጻ ነጻን ፍትሓውን ከምዝኸውን መረጋገጺ ኣይረኸብክሉን ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር፡ ኣብ መረጻ ክፍተን ናይ ፈለማዩ እዩ።

ኣብ ብልሽውና ስጉምቲ ወሲዱ፣ እሱራት ፖለቲካ ፈቲሑ፣ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ልዑል ስልጣን ኣምጺኡ፤ ከምኡውን ምስ ኤርትራ ሰላም ፈጢሩ ተባሂሉ ክነኣድ ጸኒሑ።

ኣብ 2019 ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ንመሪሕ ውድብ ክልል ትግራይ ዝኾነ ህወሓት ካብ ስልጣን ንምእላይ ናብቲ ክልል ወተሃደራት ኣዋፊሩ ኲናት ኣዊጁ።

ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ወተሃደራዊ መዓስክር ኣጥቒዑ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ፤ ንዓይ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዝዓለመ እዩ ኢሉ ስለ ዝኣመነ እዩ ኣብዪ ናብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣትዩ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተወለዐ ጎንጺ ስዒቡ፡ ብኣሸሓት ሰባት ዝተቐትሉ ኾይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፊሕ ጥሜት ተኣታትዩ ከምዘሎን ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ድማ ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ትካል ምግቢ ዓለም፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናብቲ ክልል ረድኤት ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቶም ኣብቲ ጎንጺ ዘለዉ ሓይልታት ረድኤት ከይሓልፍ ዕንቅፋት ብምፍጣር ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ክልል ከም ነዳዲ፣ መብራህትን ስልክን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ተዓጽዮም ብምህላዎም ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተዓናቒፉ ከምዘሎ ገሊጹ።