ትካል ስካውት ደቂተባዕትዮ ኣመሪካ 850 ሚልዮን ዶላር ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ክኸፍል ተሰማሚዑ

Published

ማሕበር ስካውት ደቂተባዕትዮ ኣመሪካ(ቢ-ኤስ-ኤ)፡ ካብ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ዝቐረበሉ ክሲታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ንምዕራፍ፡ 850 ሚልን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ፡፡

እቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ደጋዊ ምንቅስቓሳት ክነጥፉን ክሳተፉን ዘተባብዕን ዘሰልጥንን ትካል፡ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዝ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ዝኸፍል ዘሎ ትካል ከምዝኾነ ጠበቓታት ገሊጾም፡፡

ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝቐረበ ክሲ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣመሪካ ዝቐረበ ተመሳሳሊ ክሲ እንትነጻጸር ኣዐርዩ ዝተጋነነ እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንተበደልቲ ይቕረታ ዝሓተተ ‘ቦይስ ስካውት ኣመሪካ’ ኪሳራ ከምዘጋጠሞ ሓቢሩ ነይሩ፡፡

ኣብ 2012 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን መራሕትን ስካውት ዝቐረቡ ኣስታት 5 ሽሕ ክሲታት ኣቃሊዑ ነይሩ፡፡

ዝበዝሑ ካብቶም ናይ ዓመጽ ፍጻሜታት ግን ናብ ፖሊስ ኣይቀረቡን፡፡

እቲ ካብ ዝጣየሽ 111 ዓመት ዘቑጸረ ትካል፡ እቲ ስምምዕ ኣካል እቲ ‘‘ ነቶም ግዳያት ብፍትሓዊ ደረጃ ንምኽሓስን ቀጻልነት ስካውት ንምርግጋጽን ዝግበር ጻዕሪ’’ ከምዝኾነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

እቲ ክፍሊት ብዳያኑ ክጸድቕ ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ክፍሊት ክፍጽሙ ትጽቢት ዝግበረሎም ትካላት ውሕስና (ኢንሹራንስ) ግን ክቃወሙዎ ክምዝኽእሉ ይግመት፡፡

ካብቶም ንግዳያት ወኪሎም ዝከራኸሩ ጠበቓታት ሓደ ዝኾነ ኬን ሮትዊለር፡ እቲ ትካል ነቶም ግዳያት ንምኽሓስ ቀዳምነት ምውሰዱ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ፡፡

በቲ ካሕሳ ንመዓታት ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸሞም ገለ ደቂተባዕትዮ ቁሩብ ገንዘብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ዝገልጽ ካልእ ጠበቓ ግና ‘‘ነቶም ድፍረት ረኺቦም ክሲ ዝመስረቱን ኣብቲ ከይዲ ዝተሳተፉን ደቂተባዕትዮ ጸርፊ እዩ’’ ኢሉ፡፡

ገሊኦም ነቲ ክፍሊት ውሕስና ዝፍጽሙ ትካላት ድማ እቲ ተኸሳሲ ትካል ኣብቲ ድርድር ኣይሓወሰናን ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ፡፡