ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሓደ ተሳፋራይ ምንቅስቓስ ካብ ዝጀመረት ነፋሪት ነጢሩ

ኣብ ዓለም ለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሓደ ወዲ ኣብ ዓለም ለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ነፋሪት ምስተሳፈረ፡ ናብ ጋቤና [ክፍሊ ኣብረርቲ ነፋሪት] ክኣቱ ድሕሪ ምፍታኑ ካብታ ነፋሪት ዘሊሉ ከምዝወጽአ ተጊሊጹ።

እቲ ዛጊድ መንነቱ ዘይተገለጸ ወዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናይታ ነፋሪት ማዕጾ ከፊቱ ብሸነኽ ኣብ ግዜ ሓደጋ መወጽኢ ገይሩ ከምዝሃደመ ምምሕዳር ኣቭየሽን ፌደራል ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ወዲ ኣብ ናይ ታክሲ ደው መበሊ ስፍራ ተታሒዙ ዛጊድ ግልጺ ብዘይኮነ መጉዳእቲ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰደ’ውን ተሓቢሩ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ነፈርቲ ግዜ በረራ ዝፍጸሙ ተመሳሳሊ ክስተታት ይዛይዱ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ፈረንጂ ጥራይ ኣስታት 3 ሽሕ ተመሳሳሊ ተጓንፎታት ከምዘጋጠሙ ተሓቢሩ።

እቲ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ሰዓት 19፡10 [ዘቤታዊ ኣቆጻጽራ] ዘጋጠመ ተጓንፎ ብመገዲ ኣየር ስካይ ዌስት ብእትውነን ነፋሪት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እታ ነፋሪት ናብ ከተማ ሳልት ሌክ እያ እትበርር ነይራ።

ሰራሕተኛታት በረራ፡ እታ ነፋሪት ናብ መጉየይ ጽርግያ ኣብ ዝተንቀሳቐሰትሉ ግዜ እቲ ወዲ ካብ ኮፍ መበሊ ቦትኡ ተሲኡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምሕባረን ተገሊጹ። ቅድሚ ካብታ ነፋሪት ዘሊሉ ምውጽኡ ድማ ነቲ ናይ ኣብረርቲ ክፍሊ ማዕጾ ይድጉድግ ከምዝነበረ ሰራሕተኛታት ክፍሊ በረራ ሓቢረን።

እታ 175 ሰባት ናይ ምስፋር ዓቕሚ ከመለዋ ዝተገለጸት ነፋሪት ድሕሪ እቲ ክስተት፡ ናብ ቦትኣ ከምዝተመለሰት ተገሊጹ’ሎ። ሰብ ስልጣን ናይቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ነቲ ተጓንፎ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ዝጀመሩ ኮይኖም፡ ድልየት ናይቲ ዘሊሉ ዝወጽአ ተሳፋራይ ንምፍላጥ ዘኽእል ምርመራ’ውን ተጀሚሩ።

ምምሕዳር ኣቭየሽን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ድሕሪ 1995 ኣቆጽጻራ ኣውሮፓውያን እቲ ዝበዝሐ ዝበሎ ምጥሓስ ሕግታት ይምርምር ከምዘሎ ሓቢሩ። መብዛሕቲኦም ከኣ ምስ “መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ግበር ኣይትግበር” ዝተዛመዱ ከምዝኾኑ’ዩ ዝግለጽ።

ክሳብ ግንቦት 25 ኣብ ዘሎ ግዜ 394 ተሳፈርቲ ኣብ ናይ ሰራሕተኛታት በረራ ስራሕ ኢዶም ብምእታው ዝብል ክሲ ዝቐረበሎም’ዮም። እዚ ድማ ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት እንትነጻጸር ብዕጽፊ ወሲኹ’ሎ።