ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከል ብርቱዕ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምህላዋ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዘላን ሓያለ ብልቃጣት ክታበት ከምዘድልያን ገሊጹ።
ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ክሓለፍ እንከሎ፡ ብውሕዱ ሸውዓተ ሃገራት ኣብ ኢደን ዝነበረ ክታበት ወዲአን ሕጽረት ክታበት ኣጋጢምወን ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ዞባዊት ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ማቲሽዲሶ ሞኦቱ "ኣፍሪቃ ሚልዮናት ክታበት ሕጂ የድልያ ኣሎ" ኢላ።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ: ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ብቕደም ተኸተል እተን ዝበዝሐ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለወን ሃገራት እየን።
ኡጋንዳን ናሚብያን በዚ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ እተን ኣዝየን ተጠቒዐን ዘለዋ ሃገራት ኮይነን፡ መዓልታዊ ዓሰርተታት ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 136 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ'ዩ ዝገልጽ።
ደልታ ቫርያንት ዝተብሃለ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ክርከብ እንከሎ እቲ መጀመርታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ቤታ ቫርያንት ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኸኣ ናብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስፋሕፉሑ ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስዚ ኣጋጢምውን ዘሎ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ሚልዮናት ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘድልየን እኳ እንተሓበረ፡ እቲ ክታበት ምዓስ ኣብ ኢድ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝበጽሕ ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየለ እዩ ገሊጹ።





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

