እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ 'ኣደ ኣሽሓት' ኣበበች ጎበና ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ይርከባ?
ብግብረ ሰናይ ስርሐን ኣፍልጦ ዝረኸባን "ኣፍሪቃዊት ማዘር ትሬዛ" ብዝብል ስያመ ዝፍለጣን ዶክተር ኣበበች ጎበና፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፈን ሕክምናዊ ክትትል ይግበረለን ኣሎ።
ብመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ህይወተን ከም ዝሓለፈ ምስ ተፀብፀበ፡ ብዙሓት ሰባት ሞት ኣበበች ጎበና ዝገልፅ ዜና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይቀባበልዎ ኣለዉ።
እንተኾነ፡ ቢቢሲ ኣበበች ጎበና [ዶክተር] ኣብ ሆስፒታል ጳውሎስ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ክትትል ይግበረለን ከም ዘሎን ምምሕያሽ የርእያ ከም ዘለዋን ኣረጋጊፁ።
ኣበበች ጎበና ዝመስረትኦ ኣበበች ጎበና ማሕበር ልምዓት ናብዮት ህጻናት እውን ጥዕና ኣበበች ጎበና ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ብመገዲ ፌስቡክ ኣፍሊጡ።
"ኣደና ክብርቲ ዶክተር ኣበበች ጎበና (እዳዬ) ሕክምና ይግበረለን ኣሎ። ንጉሆ ቁሩብ ምግቢ ጥዒመን" ክብል እቲ ማሕበር ሎሚ ንጉሆ ኣብ ፌስቡክ ሓቢሩ።
ሰባት ስኑዕ ሓበሬታ ካብ ምውዛዕ ክቑጠቡን ትኽክለኛ ሓበሬታ ካብ ገጽ እቲ ማሕበር ምርካብ ከም ዝኽእሉን'ውን ገሊጹ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ኣበበች ጎበና ማሕበር ልምዓት ናብዮት ህጻናት ኣይተ ይትባረክ ተካልኝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣበበች ጎበና ኣብ ሆስፒታል ይግብረለን ብዘሎ ሕክምና ምምሕያሽ ጥዕና ኣርየን'የነን ኢሉ።
ኣበበች ጎበና [ዶክተር] መን እየን?
ኣበበች ጎበና፡ ብ1938 ዓ.ም ኣብ ሰሜን ሸዋ ከባቢ ሰላሌ እየን ተወሊደን። ወላዲ ኣቦአን ኣብ ኲናት ጣሊያን ከም ዝተቐተሉ ይግለፅ።
ዋላ'ኳ ገና ኣብ ግዘ ቁልዕነት ገና ጓል 10 ዓመት ከለዋ ወለደን ብዘይ ፍቓደን ሓዳር ክምስርታ እንተገበሩ፡ ኣበበች ግና፡ ጠፊኣን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መጺአን።
ዘዕበይኦም ህፃናት "እዳዬ" ኢሎም ይፅውዕወን፤ እዚ ስም ነቲ ዝሰርሕኦ ግብረ ሰናይ ከም ዝገልፅ'ውን ይዛረቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 1970ታት ዓ.ም ብዘጋጠመ ጥሜት፡ ብፍላይ ኣብ ወሎ ብዙሓት ሰባት እንትሞቱ፡ ኣበበች ክጽልያ ናብ ቤተ-ክርስትያን ግሸን ማርያም ይኸዳ ነይረን።
ካብ ጸሎት እንክምለሳ ኣብ ጎኒ ብጥሜት ዝሞተት ኣደ ኮፍ ዝበለት ቆልዓ ርእየን ክሓልፋ ስለ ዘይከኣላ፡ ብምሽጥር ነታ ቆልዓ ሒዘን ናብ ገዝአን ተመሊሰን።
ብኸምዚ ዝጀመርኦ ስራሕ ግብረ ሰናይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ቁፅሪ ዘዕብይኦም ህፃናት 21 በፂሑ።
ኣበበች ጎበና ዝመስረትኦ ኣበበች ጎበና ማሕበር ልምዓት ናብዮት ህጻናት ድማ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ህፃናት ሓገዝ ከም ዝገበረ ይገልፅ።
ነዚ ሰናይ ስረሐን ዩኒቨርሲቲ ጅማ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዲግሪ ምሃቡ ይዝከር።