እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣማኢት ኣፍጋናውያን ምስ ስድራቤቶም ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ እዮም
መብዛሕትኦም ከም ተርጎምቲ ኮይኖም፡ ንመንግስቲ ብሪጣንያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 3 ሽሕ ኣፍጋናውያን ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ ምዃኖም ተገሊጹ።
እቲ ውሳነ፡ ዓለምለኻውያን ወተሃደራት ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ንምውጻእ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ድሕነት እቶም ተርጎምቲ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ናብ ብሪጣንያ ዝገዓዙ 1300 ኣፍጋናውያን ክህልው እንከለው እዚኣቶም'ውን ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ክጽምበርዎም ምዃኖም ተፈሊጡ።
ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋላስ፡ ነቲ መስርሕ ምቅልጣፍ ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቶም ናብ ብሪጣንያ ዝግዕዙ ዘለው እቶም ጣሊባን ሕንሕነ ከውርደሎም ዝኽእል ምዃኖም ገሊጹ።
መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ስጉምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዘሎ ኩነታት ጸጥታ ተቐዪሩ ከም ዘሎ ንምንጽብራቕን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንመንግስትን ሰራዊትን ብሪጣንያ ዝሰርሑ ኣፍጋናውያን ሓደጋ ክወርዶም ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ንምሃብን ዝተገብረ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ትልሚ ሚያዝያ 1 እዩ ዕላዊ ኮይኑ።
ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ነቲ ስጉምቲ "ሞራላዊ ግዴታ" ክብል ገሊጽዎ።
መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ኣፍጋኒስታን ንምስሓብ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍ" ምስ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ሚኒስትሪታት ከም እተዘራረበ ሓቢሩ።
ዛጊት ክንደይ ዝኣክሉ ኣፍጋናውያን ናብ ብሪጣንያ ክግዕዙ ምዃኖም ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ መንግስቲ ልዕሊ 3 ሽሕ ከም ዝጽበይ ይገልጽ።
እንተኾነ ግና እቲ ትልሚ ንኹሎም ንብሪጣንያ ዝሰርሑ ኣፍጋናውያን ዝምልከት ከም ዘይኮነ ተፈሊጡ።