ኣስመራ: መበል 30 ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብወግዒ ተጸንቢሉ

Published

መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወግዒ ተጸንቢሉ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተፈጸመ ወግዓዊ ስነስርዓት ጽንብል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ዲፕሎማሰኛታንን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብን ተረኸቦም ነይሮም።

እቲ 'ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ' ዝተባህለሉ ጽንብል፡ ብወተሃደራዊ ምርኢትን፡ ሙዚቃን ዝተሰነየ'ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ሓጺር መደረ፡ "ድሕሪ ካልኣይ ዓለማዊ ኲናት ሕጋዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ልኡላውነትን ምስ ተዓፈነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንባርነትን መግዛእትን፡ ዓሎቕን ሓይሊ-መጎትን፡ ሸጠፍን ምስዳዕን ከይራዓመ፡ ን50 ዓመታት፡ ካብ 1951 ክሳብ 1991 ብጽንዓትን ጀግንነትን መኪቱ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ናጽነቱ ልኡላውነቱን ብፍትሒ ዘረጋግጸሉ ሓወልቲ'ዩ" ክብል ንመዓልቲ ናጽነት ገሊጽዎ።

ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሃቦ መብሪሂ'ውን፡ "ድኻማትና ከነለሊን፡ ናይ ኣጋ ምትዕርራይ ከነተኣታቱን'ውን መለቢ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ትኩርነትና ከየዝለቕና፡ ኩሉ-ጎናዊ ናይ ምርምርን፡ ምክልኻልን ፍወሳን ዓቕምታትና እናጎልበትና፡ ንድሕነታውን ልምዓታዊ መኸተና ብኣሉታ ምእንቲ ከይጸሉ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ከንእትዎ ከይሰልከና ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።

"ምስዚ ዘሎ ርቡጽ፡ ዓለማውን ዞባውን ክስተታት፡ ልኡላውነትናን ናጽነታትን ኲኖ ምክንኻንን ምሕላውን፡ ድሕነታውን ልምዓታውን መኸተና ኣሐይልና ገስጋስና ንምንሃር፡ ተኸሊሱ ዘሎ ሓፈሻዊ መርሓ ክተት" ንምውዕዋት ዜጋታት ተሳትፍኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።

እቲ ንምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራት ዝነቐፈ ፕረዚደንት፡ ብሰንኪ ሰራዊቱ ኣብ ኢትዮጵያ ምእታው ንዝቐርበሉ ዘሎ ነቐፌታታት ካብ ምንጻግ ሓሊፉ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

እቲ ፕረዚደንት ካብ 1991 ጀሚሩ፡ ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብ24 ግንቦት 1991 ምስ ምሕራር ርእሰከተማ'ዩ ተረጋጊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ25 ግንቦት 1991 ንመወዳእታ ግዜ ካብ መሬት ኤርትራ (ዓሰብ) ተሳዒሩ ምውጽኡ'ውን ይዝከር።

ኣብ ግንቦት 24 1993 ኣብ ዝተገብረ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ድማ ህዝቢ ኤርትራ 99.8 "እወ" ንናጽነት ድሕሪ ምድማጹ ብወግዒ ሃገራዊ ናጽነታ ኣዊጃ።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንመዓልቲ ናጽነት ዘኪሮሞ ውዒሎም።

ገለ ኤርትራውያን'ውን፡ ሃገራዊ ናጽነት ምጽንባል ብዘይ ሰባዊ ሓርነት ትርጉም ከምዝሳኣንሉ ክጽሕፉ ተራእዮም።

ኣብ ስደት ዝርከቡ ሓያሎ ተጋደልቲ ደረፍቲ ዝርከብዎም ስነጥበበኛታት ብወገኖም፡ ብማንዛ ዝተወሃሃደ ፍሉይ ምርኢት ኣቕሪቦም።