ቢል ጌትስ፡ ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ ማይክሮሶፍት ዝነበሮ ርክብ ይጻረ ምህላው ተገሊጹ

Published

ዋና መስራቲ ኩባንያ ማይክሮሶፍት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣባልነት ቦርድ እቲ ኩባንያ ንዓርሱ ዘግለለ፡ ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ ዝነበሮ ርክብ ክጻረ ምስ ተጀመረ ምስኡ እዩ ተባሂሉ።

ቢል ጌትስ፡ ምስታ ሰራሕተኛ እቲ ኩባንያ ጾታዊ ርክብ ነይርዎ ዝብል ሕሜት ቅድሚ 20 ዓመት ዝተፈጸመ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።

እዚ ናይ ዓለምና ገዚፍ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያ፡ ንቀንዲ መስራቲ እቲ ኩባንያ ዝኾነ ቢል ጌትስ ብዛዕባ ምስቲ ጥርጣረ ብዝተኣሳሰር ዝነበሮ ባህርይ ምጽራያት የካይድ ምህላዉ ኣረጋጊጹ እዩ።

እቲ ምጽራይ ክካየድ ዝተጀመረ፡ ካብታ ሰራሕተኛ ብዝቐረበ ጥቆማ እዩ።

እቲ ኩባንያ፡ እቲ ጥርዓን ካብ ዝቐርብ ጀሚሩ ንኣቕራቢት እቲ ጥርዓን እኹል ድጋፍ ይግበረላ ከምዘሎን ምስ ሓደ ትካል ናይ ሕጊ ብምዃን ምጽራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ቢል ጌትስ ግን፡ ካብ ኣባልነት ቦርድ እቲ ኩባንያ ምእላዩ ምስቲ ዝተብሃለ ምርመራ ዝተሓሓዝ እዩ ንዝብል ነጺግዎ።

እንተኾነ እዚ ምስ ሰራሕተኛ እቲ ኩባንያ ጾታዊ ርክብ ነይርዎ ዝብል ወረታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ በዓልቲ ገዝኡ ዝነበረት ፍትሕ ኣብ ዝፈጸመሉ ጽባሕ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።

ቢልን በዓልቲ እንድኡ መሊንዳን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓደሮም ዝበተኑ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብሓዳር ድሕሪ ምጸነሖም እዩ።

ብዛዕባ እቲ ጥርዓን

እቲ ወሃቢ ቃል ማይክሮሶፍት ትማሊ ሰኑይ ከምዝበሎ፡ እቲ ካምፓኒ ቅድሚ ክልተ ዓመት ማለት'ውን ብ2019 ሓደ ጥርዓን በጺሕዎ።

እቲ ጥርዓን፡ ዋና መስራቲ ማይክሮሶፍት ዝኾነ ቢልጌትስ ቅድሚ 20 ዓመት ማለት ብ2000 ዓ.ም.ፈ ምስ ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ ሰራሕተኛ እቲ ካምፓኒ 'ቀጻልን ጥቡቕን ጾታዊ ርክብ' ነይርዎ ዝብል እዩ።

"ሓደ ኮሚቴ እቲ ቦርድ ነቲ ጥርዓን ሪእዎ እዩ። ካብኡ ድማ ሙሉእ ምጽራይ ንምክያድ፡ ብሓደ ናይ ደገ ናይ ትካል ጥብቅና ሕጊ እናተሓገዘ ይርከብ" ኢሉ።

"እቲ ምጽራይ ካብ ዝጅመር ንነዘ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እታ ጥርዓን ዘቕረበት ሰራሕተኛ ኣድላይ ዝበሃል ድጋፍ እናተገበረላ ትርክብ" ክብል'ውን ወሲኹ።

እቲ ምጽራይ ከይተዛዘመ ቢልጌትስ ካብቲ ቦርድ ስለዝወረደ፡ ዛጊድ ኣብ ሓደ ድምዳመ ከምዘይበጽሐ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቢልጌትስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት፡ ካብቲ ቦርድ ንነፍሱ ከግልል ዝወሰነ ብዙሕ ግዜኡ ኣብ ናይ'ቲ ተግባረ ሰናይ ስራሕቲ 'ቢል ኤንድ መሊንዳጌትስ ፋውንዴሽን' ከትኩር ስለዝደለየ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ ናብቲ ቦርድ ደጊሙ ምስተመርጸ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እዩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ሊንክድኢን ከምዝበሎ፡ "ንማይክሮሶፍት ምስቲ ዘለኒ ክብሪ፡ ካብ ቦርድ ምውጻእ ማለት ካብ ማይክሮሶፍት ምርሓቕ ኣይኮነን። ማይክሮሶፍት ኩሉ ግዜ ኣካል ህይወተይ ኮይኑ ክነብር እዩ። እቲ ኩባንያ ዝገብሮ ዘሎ ምዕባለን ንዓለም ንምርባሕን ኣዝዩ ትስፍው እየ" ኢሉ።

ዎል ስትሪት ጆርናል ሰንበት ሒዝዎ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ ግን፡ እቲ ቦርድ፡ ቢልጌትስ ምስታ ሰራሕተኛ መስሪትዎ ዝነበረ ርክብ ኣግባብ ከምዘይብሉን፡ ካብቲ ቦርድ ክወርድ ምውሳኑ ስዒቡ ከምዝለቐቐን እዩ ዝገልጽ።

ወሃቢት ቃል ቢልጌትስ እቲ ዝተብሃለ ርክብ ከምዝነበረ ኣሚና፡ እንተኾነ እቲ ናይ ቢልጌትስ ካብ ቦርድ ምእላይ ምሱኡ ዘራኽብ ዝኾነ ምኸንያት ከምዘይብሉ እያ ተዛሪባ፤ ነቲ ጋዜጣ።

"ርግጽ እዩ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ብሰላም ዝተወደአ ርክብ ነይሩዎም እዩ" ኢላ።

ወሲኻ'ውን፡ ቢልጌትስ ካብቲ ቦርድ ብገዛእ ፍቓዱ ምእላዩ ግን ምስዚ ዘራኽብ የብሉን፡ ኳ ደኣስ፡ ምስቲ ቅድም ኢሉ'ውን ዝሓስቦ ዝነበረ ብዙሕ ግዜኡ ኣብ ስራሕቲ ግብረሰናይ ከውዕል ይደሊ እዩ ኢላ ።

ቢል ኤንድ መሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን፡ እዚ ብዝምልከት ተሓቲቱ ምላሹ ከምኡ ዝጸንዐ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቢልን መሊንዳን፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዮም ፍትሕ ከምዝፈጸሙ ዕላዊ ገይሮም።

ቢልዮናት ድማ ኣብቲ ብሓባር ዝውንንዎ ፋውንዴሽን ኣውዒሎም፡ ድሕሪ ፍትሖም'ውን ኣበርቲዖም ከምዝቕጽልሉ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ብዛዕባ ምቕቕል ንብረት ብዝምልከት ድማ ቀዲሞም ከምዝዘተይሉ ሚድያታት ኣመሪካ ጸብጺበን እየን።

ወዲ 65 ዓመት ጌትስ፡ ራብዓይ ናይ ዓለምና ሃብታም እንትኸውን፡ 124 ቢልዮን ዝግምት ሃብቲ ይውንን።

ካብ 1970 ታት ጀሚሩ ብፍላይ ክሳብ 2008፡ ሙሉእ ዓቕሙን ግዚኡን ኣብዚ ኩባንያ ገይሩ ይሰርሕ ነይሩ።

መንበሪ ቤት እቶም መጻምዲ፡ ኣብ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ መዲና ዝበሃል ኣብ ግዝኣት ዋሺንግተን፡ ክሳብ 127 ሚልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።