እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣካለ ጉዱእ ብምዃኑ ካብ ሞት ዘምለጠ ኮሎኔል ሲሳይ
Published
ኮሎኔል ሲሳይ አለማዮህ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብጥሮታ ዝተሰናበተ ኮይኑ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑሞራ ይነብር ነይሩ። እንተኾነ ግን ሑሞራ ብሕዳር 1 ብመዳፍዕ ምስተደብደበት ኣብቲ ዝነበሮ ጉድኣት ካልእ መቑሰልቲ ተወሲኽዎ ሕጂ ኣብ ሱዳን ተሰዲዱ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝርከብ ንቢቢሲ ገሊጹ።