ኣመሪካ፡ መዓልቲ ልደት ኣብ ልዕሊ ዘኽብሩ ሰባት ብዝተኸፈተ ተኹሲ 6 ሰባት ተቐቲሎም

መኪና ፖሊስ ኮሎራዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ስፕሪንግስ ኮሎሮራዶ፡ ሓደ ዕጡቕ መዓልቲ ልደት የኽብሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ብዝኸፈቶ ተኹሲ ሽዱሽተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ንነብሱ ከም ዘጥፈአ ፖሊስ ኣመሪካ ገሊጹ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓንቲ ከም ተንቃሳቓሲት ገዛ ኮይና እተገልግል ተስሓቢት፡ ዝተወለድሉ መዓልቲ የኽብሩ ኣብ ልሊለ ዝነበሩ ስድራቤታት እዩ ተፈጺሙ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ብኣፍቃሪ ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝተፈጸመ ፖሊስ ስፕሪንግስ ኮሎራዶ ገሊጹ።

እቲ ዕጡቕ ''ናብቲ ቦታ ብምእታው፡ ቅድሚ ንባዕሉ ምቕታሉ ናብቶም ኣብቲ ድግስ ዝነበሩ ሰባት ጠያይቲ ተኲሱ'' ኢሉ፡፡

ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ግን ዛጊድ ኣይተፈለጠን፤ መንነት እቲ ቀታልን እቶም ግዳያትን እውን ወግዓዊ ኣይተገበረን ዘሎ፡፡

በቲ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ዓበይቲ ሰባት ተቐቲሎም ከም ዝተረኸቡ ዝሓበረ ፖሊስ፡ ኣብቲ ድግስ ዝነበሩ ህጻናት ግን ጉድኣት ከም ዘይበጸሖም ገሊጹ፡፡

ከንቲባ እታ ከተማ ጆን ሱዘርስ፡ ነቲ ቅትለት ''ትርጉም ኣልቦ መጥቃዕቲ'' ብምባል ኮኒንዎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ቦውልደር ኮሎራዶ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዝሽየጠሉ ማእከል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ዓሰርተ ክሲታት ቅትለት ከም ዝቐረቦ ተገሊጹ።