እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህጻናት ናይ ፌስቡክ ‘ላይክ’ ምስኣን ንገዛእ ርእሶም ክጸልኡ ይገብሮም ከምዘሎ ተገሊጹ
ጆሽዋ ሃይለየሱስ ኣብ ቲክቶክ ብዝተገበረ "ብላክ ኣውት ቻለንጅ" ስለዝተሳተፈ እዩ ህይወቱ ስኢኑ። እቲ ጸወታ ንገዛእ ርእስኻ ንሒደት ደቃይቕ እንከይተንፈስካ ብምጽናሕ፡ ዝግበር ንሕንሕ'ዩ።
እቲ ናይ ቲክቶክ ንባዕልኻ ሓኒቕካ ደምን ኣየርን ከይሓልፉ ብምግባር ንቕሩብ ደቃይቕ ውነኻ ስሒትካ ናይ ምንቃሕ ውድድር ይሳተፍ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውንኡ ስለዝጠፍኦ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሰዱ'ኳ እንተነበረ ክድሕን ኣይከኣለን።
እዚ ድማ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።
ቢቢሲ ነዚ መሰረት ብምግባር ህጻናት ማሕበራዊ ሚድያ ክጥቀሙ'ዶ ይግባእ? ክጥቀሙ እንተኾይኖም'ከ ብኸመይ? ናይ ስድርኦም ክትትል'ከ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ዝብሉ ዛዕባታት ኣልዒልና ምስ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ህጻናት ቴዎድሮስ ጌቴን ኣውጊዕና ኣለና።
ከም ገለጻ ኣቶ ቴዎድሮስ እንተድኣኾይኑ ማሕበራዊ ሚድያ ንዓበይቲ ሰባት'ውን እንከይተረፈ ጽቡቕን ሕማቕን'ውን እዩ። እቲ ዘገድስ ኣብ ኣጠቓቕማ እዩ።
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድምኦም ሰባት ናይ ብሕታውነት ስምዒት እንትስምዖም ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሞም ምስ ካልኦት ሰባት ከውግዑን ኢሂን ሚሂን ክብሉ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ከም እወንታዊ ጎኑ ክርአ ከምዘለዎ'ዩ ኣቶ ቴድሮስ ዝምዕድ።
እንተኾነ ግን እዞም ሰገናት ናይ ኣእምሮኦም ምዕባለ ኮነ ዝተነግሮም ነገር ዝርድእሉ መገዲ ብምኽንያት ኢሉ እውን ኣብ ውጽኢት ዝተሞርኮሰ ስለዘይኮነ ብጥንቃቐ ክርኣዩ ከምዘለዎም'ዩ ዝመክር። ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጽልዋ ዓብይን ካብቲ እንሓስቦ ኣመና ከቢድን ከምዝኾነ እቲ በዓል ሞያ ኣብሪሁ።
ንኣብነት "ሓደ ናይ ቲክቶክ ተጠቃሚ ዝኾነ ሰብ ዝኾነ ነገር እናፈጸመ ዘርኢ ቪድዮ እንተጠቂዑ፣ ኣብ ክሊ እዚ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት 'እዚኣስ ኣይተኣብየንን'ያ' ኢሎም ክደግምዋ ይረኣዩ። እቲ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ዕድሚኦም እዚ ኩሉ ነገር ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምዘለዎም ዝኣምንሉ ግዜ ስለዝኾነ'ዩ።
ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሰዓብቶም ድማ ብሓቂ ምስኣቶም ከምዘለዉ ገይሮም ዝቖጽርዎም "ካብቲ ብምኽንያትን ውጽኢትን ዝኣምን ሓንጎሎም ንላዕሊ ኣነነት ብዝዓብለሎ ስምዒት ተገኒሖም ንነገራት ዝፍጽምሉ ግዜ ይበዝሕ። ብፍላይ እዚ ዕድመ እዚ ኣነ መን እየ? ኢሎም ዝምክሕሉ ናይ ጉርምስና ክሊ ዕድመ'ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውዝዕዎም ትሕዝቶታት ብዙሕ 'ላይክ' ከምዝረኸበ ንምርኣይ ስለዝደልዩ ቁጽሪ ስዓብቶም ብእኡ መጠን ከብዝሑ ይጽዕሩ።
ስለዝኾነ'ውን እዞም ቆልዑት እቲ ዝለጠፍዎ ክንደየናይ ተፈትዩለይ ክንደይ ሰብ'ከ ናብ መሓዙቱ ኣባጺሑለይ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዎም እምበር ኣሉታዊ ሓደግኡ ከምዘይረኣዮም ኣቶ ቴድሮስ ገሊጹ።
ተፈታውነት ኣብ ደምበ ማሕበራዊ ሚድያ
ህጻናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወዝዕዎ ትሕዝቶ ብብዙሓት እንተድኣተፈትዩሎም ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ንሳቶም ዝደልይዎ እንተይኮነስ ብዛዕባ ሰዓብቶም ዝፈትውዎ ነገር ንምውዛዕ ክጭነቑ ከምዝረኣዩ ዝገልጽ ኣቶ ቴድሮስ፡ እቲ በዝሒ 'ላይክ' የርክበልና እዩ ኢሎም ዝለጠፍዎ ትሕዝቶ ካብቲ ዝሓሰብዎ ብኣንጻሩ እንተኾይኑ ከኣ ሕቶ የልዕለሎም።
እቲ ምኽንያት እቲ ዝወሃቦም ርእይቶ ዘመዛዝንሉ ዕድመ ስለዘይኮነ'ዩ። ከይዱ ከይዱ ድማ ንጭንቀትን ቅዛነትን ከምዝዳርጎምን ክሳብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸሊኦም ህይወቶም ከምዘጥፍኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተገበሩ መጽናዕትታት የረድኡ። እዚ ስግኣት ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ ኣንጸላልዩ ከምዝርከብ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ህጻናት ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሩ።
ኣቶ ቴድሮስ ካብ ናይ ባዕሉ ተሞክሮ ጀሚሩ ክሳብ ንስራሕ ኢሉ ዘዘራረቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮ መሰረት ገይሩ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ ከምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ።
"ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ መምሃሪ ክፍሎም ኮይኖም ብዛዕባ ክጥቅዕዎ ዝደልዩ ናይ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ስእሊ ከምዝሓስቡን ሓደ ሰገን ሓንቲ ስእሊ ጠቂዑ ብዙሓት ሰዓብቲ እንተዘይረኺቡ እሞ፡ ብኣንጻሩ ካልኦት መሓዙቱ ብዙሕ 'ላይክ' እንተረኺቦም ክጭነቕ ይጅምር"
ስድራ ህጻናት እንታይ'ዮም ክገብሩ ዘለዎም?
ኣብዚ ዘለናሉ ዘበን ናይ ቤተሰብ ምሕደራ ሜላ ክቕየር ወይ'ውን ክመሓየሽ ከምዘለዎ ኣቶ ቴድሮስ ይምዕድ።
"ህጻናት ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ክመሃሩ ስለዝኽእሉ እቲ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ። ንኣብነት ህጻናት ካብ ዩትዩብ ምግቢ ከመይ ከምዝስራሕን ካልኦት ኢደ ጥበባትን ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን እዚ'ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቤተሰብ ክኸውን እዩ ዘለዎ"።
ኣብ ብዙሕ ስድራ ቤታት ዝምዕብል ዘሎ ግን ብግልባጡ ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ቴድሮስ፡ "ህጻናት ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎት እንተረኺቦም ስለዘይርብሹን እዚ ግበሩለይ ስለዘይብሉን ከም ድሌቶም ንክኾኑ ይፈቕድሎም" ኣለዉ ይብል።
ስለዝኾነ'ውን ወለዲ ንደቆም ናይ ማሕበራዊ ሚድያ መሳለጥያታት እንትህብዎም፣
1. ትልሚ ኣውጽኢኻ ናይ ህጻናት ግዜ ማሕበራዊ ሚድያ ምግዳብ።
2. እንታይ ከምዝጥቀሙ ፈሊጥካ ምክትታል
3. ምስ ደቆም ብግልጺ ምውጋዕ
4. ንህጻናት ዝተፈቐዱ መተግበሪ ጥራይ ፈቒድካ እቶም ካልኦት ምዕጻው
5. ቴክኖሎጂ እናማዕበለ ኣብ ዝሰጎመሉ እዋን ድማ፡ ወለዲ ምስ ናይ ደቆም ቴሌፎን ኣራኺቦም እንታይ ከምዝጥቀሙ ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም።
ወለዲ ምስ ደቆም ናጻን ግልጽን ብዝኾነ መገዲ ኢሂን ሚሂን ክብሉ ከምዝግባእ፡ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ኣቶ ቴድሮስ ማዕድኡ ለጊሱ'ሎ።