ቀታሊ ጆርጅ ፍሎይድ ጉዳዩ ብኻልእ ዳኛ ደጊሙ ክረአየሉ ጠሪዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ንጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ ቀቲሉ ተባሂሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈረደ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ግዝኣት ሚኒፕሊስ ነበር ዴሪክ ቻውቪን ጉዳዩ ብካልእ ቤት ፍርዲ ደጊሙ ክረአየሉ ጥርዓን ኣቕሪቡ።
ጉጅለ ጠበቓታት ዴሪክ ቻውቪን ፡ ብኣኽባሪ ሕግን ነቲ ጉዳይ ዝረአዩ ዳያኑን ተፈጺሙ ዝበሎ ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት ዘርኢ ናይ ቤት ፍርዲ ሰነዳት ሒዞም ኣቕሪቦም።
እቲ ንጆርጅ ፍሎይድ ብምቕታል ብመሰኻኽር ተረጋጊጹ ዝተፈርደ ቻውቪን፡ ንጆርጅ ፍሎይድ ንልዕሊ 9 ደቒቓ ክሳዱ ረጊጹ ኣሳቕዩ ከምዝቐተሎ ዝተቐርጸ ተንቀሳቐሲ ምስሊ የርኢ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ኣመሪካን ካብኡ ወጻእ ኣብ መላእ ዓለምን፡ ዛዕባ ዓሌታዊነት ኣጀንዳ ኣልዒሉ፡ ብዙሓት ተቓውሞታትን ናዕብን ኣስዒቡ ነይሩ።
እቲ ፖሊስ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ቤት ፍርዲ ሞገትን ክትዕን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገበነኛ ተባሂሉ ተፈሪዱ።
ሓደ ካብቶም ጠበቓታት እቲ ፖሊስ ዝኾነ ኤሪክ ሌልሶን ግን፡ እቲ ከይዲ ሕጊ በቲ ቐዲሙ ዝተገብረ ናይ ሚድያ ውዕውዕ ተጸልዩ እዩ ዝብል መጎት ዝሓዘ ሰነድ እዩ ኣቕሪቡ።
ንሱ፡ ቅድሙን ድሑርን እቲ ከይዲ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ውዕውዕ፤ መሰረታዊ ናይቲ ሞገት መልክዕ ክቕየርን ሚዛኑ ክስሕትን ምኽንያት ኮይኑ እዩ ይብል።
ከምኡ'ውን፡ እተ ተቓውሞ [ሞሽን] እቲ ብይን ዝሓዘ ሰነድ፡ በቲ ኣኽባሪ ሕጊ ተፈጺሙ ዝበሎ ናይ ስነምግባር ጉድለትን፡ ናይ መሰኻኽር ምፍርራሕን ከምዝነበነረ ገሊጹ።
ገለ መራኸቢ ሓፋሽ ኣመሪካ ከምዝጸብጸበኦ፡ ብይን ምስተውሃበ ተቓውሞ ክለዓልን እቲ ጉዳይ ደጊሙ ክረአ ምግባርን ኣብታ ሃገር ዘይተለምደ ኣይኮነን ኢለን ኣለዋ።
እንተኾነ ኒውዮርክ ታይምስ ንሰብ ሞያ ሕጊ ኣዛሪቡ ሒዝዎ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ምስቲ ዘሎ ምሉእ መረዳእታ፡ እቲ ብይን ክቕየር ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ከምዘይህሉ እዩ ዘረድእ።
ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክፍረድ ምርኣይ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ተባሂሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛ ፖሊስ ዝተመሓላለፈ ብይን 40 ዓመት ማእሰርቲ እንትኸውን፡ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጀሚሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምርሕ ምዃኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብዛዕብኡ እንታይ ተባሂሉ ነይሩ?
ወዲ 45 ዓመት ዴሪክ ቻውቪን ኣብ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ንልዕሊ 9 ደቓይቕ ተንበርኪኩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ እዩ።
እቲ ብብዝሒ ዝተርኣየ ቪድዮ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣንጻር ዓሌታውነትን ሕሉፍ ምጥቃም ሓይልን ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ እዩ።
ቻውቪን ኣብ ሰለስተ ክስታት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ፤ ካልኣይ ደረጃ ቅትለት ሰብ፡ ሳልሳይ ደረጃ ቅትለት ሰብን ሕልፈተ-ትንፋስን (ብወዝቢ)።
ክሳዕ ፍርዲ ዝወሃቦ ድማ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ኮይኑ፤ ንዓሰርተታት ዓመታት ክፍረድ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ነይሩ።
እቲ 12 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ዳያኑ፡ ዘካየዶ መስርሕ ፍርዲ ብዙሓት ብቅርበት ክከታተልዎ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ብይን ድሕሪ ምግላጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ፍርዲ ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም።
ጠበቓ ስድራ ፍሎይድ፡ በን ክራምፕ እቲ ውሳነ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ "ነጥበ መቐይሮ" እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ብቓንዛ ዝተረኽበ ፍትሒ ኣብ መፈጸምትኡ በጺሑ" ድሕሪ ምባል "ንሕጊ ዘፈጽሙ ኣካላት ብሓላፍነት ክሰርሑ ዘዘኻኽር ንጹር መልእኽቲ እዩ" ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ብይን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምክትሉ ካማላ ሃሪስን ንስድራ ፍሎይድ ስልኪ ደዊሎም ከዘራርብዎም እንከለው፤ ሚስተር ባይደን "ካልእ እንተተረፈ ሕጂ ገለ ፍትሒ ተረኺቡ ኣሎ" ክብል ተሰሚዑ።
"ካልእ ብዙሕ ክንረክብ ኢና። እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹር ክፍፍል ዓሌታውነት ዝውሰድ ናይ ፈለማ ስጉምቲ እዩ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
