እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ፡ መድሃኒት ዝጻወር ዓሌት ሕማም ዓሶ ኣብ ኢትዮጵያ የስግእ ድዩ?
መድሓኒት ዝተለማመደ ሕማም ዓሶ ኣብ ኤስያ ኣብ መንጎ ዶባት ታይላንድን ካምቦድያን ከምኡ ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሩዋንዳ ከምዝተረኸበ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።
ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን፡ ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ኣብ ዝሰርሐት ኢትዮጵያ ፡ እቲ ሓድሽ ምስ መድሓኒት ዝተላመደ ሕማም ዓሌት ዓሶ ናብ ሃገር ከምዝኣተወ ዛጊድ ዘመላኽት መረዳእታ ኣይተረኽበን።
ኣብ ትሕቲ ሚኒስትር ጥዕና፡ ሃገራዊ መደብ ምጥፋእ ዓሶ ሓላፊ ዝኾነ፡ ኣይተ መብራሕቶም ሃይለ፡ እቲ መድሃኒት ዝተለማመደ ዓሌት ዓሶ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘይኣተወ ንቢቢሲ ዝዛረብ።
እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ መድሓኒት ዓሶ ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ከምዝካየድ ዝገለጸ ኾይኑ፡ ብዚ መሰረት እቲ ነቲ መድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎ ዓሌት ሕማም ዓሶ ከምዘይተረኽበ እዩ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ትካል ምርምር ኣርማወር ሃንሰን፡ ኣብ ጉዳይ ሕማም ዓሶ ምርምር ዘካይድ ዶ/ር ፍጹም ግርማ ብወገኑ፡ ምስ ትካል ጥዕና ማሕበረሰብ ሓቢሮም ከምዝሰርሑን፡ ዛጊድ ከምኡ ዓይነት ሓድሽ ዓሌት ዓሶ ከምዘይተኸስተን ተዛሪቡ።
እንተኾነ፡ ነቲ መድሓኒት ዝጻወር ዓሌት ምህላውን ዘይምህላውን ንምፍላጥ ዝሐሸ ምርምር ምክያድ ከምዘድሊ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብ 2000 ጀሚሩ፡ ብብርኪ ዓለም ለበዳ ሕማም ዓሶ ነክኡ ከምዝነበረ እዩ ዝዝረብ።
እንተኾነ ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ዝረአ ለውጢ ከምዘየለ እዩ ዝዝረብ።
ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2019 ዕላዊ ከምዝገበሮ፡ ኣብ ዓለም ምስፍፋሕ ዓሶ ኣብ ምንካይ ካብ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ እያ።
ሕማም ዓሶ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ዓሶ ዝስፋፈሐሉ ወቕቲ፡ ክራማት ምስሓለፈ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ፡ ኣብ ዘለዉ ወርሓት ከምዝኾነ ኣይተ መብራህቶም ሃይለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ከምኡ’ውን ናይ ኣዝመራ ዝናብ ስዒቡ፡ ኣብ ኣዋርሕ ሚያዝያን ጉንበት እቲ ለበዳ ወሰኽ ከምዘርኢ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕማም ዓሶ ብለበዳ መልክዕ ክስፋፋሕ ኣይክእልን ዝብል እምነት ዘለዎ ኾይኑ፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ነቶም ወቕትታት መሰረት ዝገበረ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ክስራሕ ብምጽንሑ ከምዝኾነ ወሲኹ ሓቢሩ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት ክሳብ 5 ሚልዮን ሰብ በቲ ሕማም ይተሓዝ ከምዝነበረ ኣብ 2011 ዓ.ም [ኢትዮጵያ] ግና፡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ጥራይ በቲ ሕማም ከምዝተትሓዘ ጸብጻብ ጠቒሱ ይዛረብ።
ኣብ 2012 ዓ.ም፡ ንውሕ ዝበለ ናይ ዝናብ ወቕቲ ስዒቡ እቲ ቁጽሪ ወሲኹ እንተነበረ’ኳ፡ ኣብ 2013 ዓ.ም እቲ ብዝሒ ከምዝነከየ ይዛረብ።
ንዝሓለፈ 50 ዓመታት ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ምቁጽጻርን ይስራሕ ምንባሩ፡ ሕዚ ድማ ፍኖተ ካርታ ተዳልይሉ ንምጥፋእ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ብሐፈሻ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ 52 ሚኢታዊት ንሕማም ዓሶ ኣብ ዝተቓለዐ ከባቢ ዝነብር ምዃኑ፡ ኣዝዮም ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ክልላት ግና ጋምቤላን ቤንሻንጉልን ከምዝኾኑ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ካልኦት ክልላት ናይ ዝናብ ምውሳኽን ምንካይን መሰረት ገይሩ፡ ከምዝለዋወጥ ይዝረብ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ፕላስሞዲየም ፋልሲፓረምን ፕላስሞዲየም ቫይቫክስን ዝበሃሉ ክልተ ዓይነታት ዓሌት ዓሶ ከምዝርከቡ ይዛረብ።
ብዛዕባ ዓሶ ክትፈልጥዎ ዝግባእ
· ብኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ፕላስሞድየም ዝበሃል ተሃዋስያን ዝተሓላለፍ ከቢድን ቃታልን ሕማም ምዃኑ፤
· እቶም ኣርባዕተ ተሃዋስያን፡ ፕላስሞድየም ፋልሲፓረም፣ ፕላስሞድየም ማላሪዬ፣ ፕላስሞድየም ኦቫሌን ፕላስሞድየም ቫይቫክስን ይባሃሉ።
· ሰባት በዞም ተሃዋስያን ዝተትሓዛ ኣነስታይ ጣንጡ ምስዝንከሱ እዮም በቲ ሕማም ዝተሓዙ።
· እቲ ሕማም ምክልኻል ኮነ ምድሓን ይከኣል እዩ።